ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣባላተይ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ኢትዮጵያ ይእሰሩኒ ኣለው ኢሉ ፓርቲ ሓድነት


ፓርቲ ሓድነት ንዴሞክራስን ፍትሕን ኣብዝተፈላለዩ ኩርንዓት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ኣባላት ኣመራርሓን ተራ ኣባላትን ማእሰርትን መውቃዕትን እናተፈፀሞም እዩ ክብል ኸሲሱ።

እቲ ፓርቲ ሎማዕንቲ ዓርቢ ኣብ ዘውፅኦ መግልፅን ኣባላት ኣመራርሓ ኣብዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፅን ኣብ ክልል ደቡብ፣ዞባ ወላይታ ሰዶ ኣብ ልዕሊ ናይቲ ከባቢ መራሕቲ ሓድነት ኣብ ቅድሚ ኣኽበርቲ ሕጊ ዝተፈፀመ መውቃዕትን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ብፖሊስ ተዓፊኖም ክሳብ ሎሚ ኣበይ ከምዝኣተው ኣይፍለጥን ብዛዕባ ዝበሎም መራሕቲ ከምኡ እውን ኣብ ከተማ መቐል ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ኣባል እቲ ፓርቲ ዝበፅሐ ናይ ፖሊስ ማእሰርቲ ይዝርዝር።

እቲ መግለፂ ቅድሚ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ኣባላቱ ተመሳሳሊ ማእሰርቲ የጋጥም ምንባሩ ብምሕባር ናይ ሎሚ ፍሉይ ዝገብሮ ግን መንግስቲ ነቲ ፓርቲ ብዘዳኽም መልክዑ ኣብ ኩሎም ከባቢታት እታ ሃገር ንዝርከቡ ኣባላት ሓድነት እናሰረ ይርከብ ይብል።

ኣብ ቀረባ ኣብ ከተማ ወላይታ ሰዶ ኣብ ቅድሚ ፖሊስ ተፈፂሙ ዝተብሃለ መውቃዕቲ ሓላፊ ጉዳያት እቲ ውድብ ኣቶ ዘካሪያስ የማነብርሃን ኣሽማት ብምዝርዛር ገሊፆም።ተወቒዐ ዝበሉ ኣቶ ማሞ ገሙ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለፂ ምስክርነቶም ሂቦም።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ብፖሊስ ተወሲዶም ኣበይ ከምዝርከቡ ዘይፍለጡ ናይ ዝበሎም ሽማት ዘርዚሩ’ሎ እቲ ውድብ።

ኣብ ከተማ መቐለ ኣባል ፓርቲ ሓድነት ዝኾነ መንእሰይ ሽሻይ ኣዛናው እውን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ፖሊስ ከምዝርከብ ተፈሊጡ’ሎ።

ፓርቲ ሓድነት ኣብ መግለፂኡ ከምዝሓበሮ መንግስቲ ዝወስዶም ዘለው ስጉምትታቱ ብናይ ህዝቢ ፀቕጢ ጠጠው ክብል ኣለዎ ይብል።ኣብ ልዕሊ ኣባላት ፖለቲካ ዝፍፀም ማእሰርትን ምንግልታእን ጠጠው ንኽብልን እቲ ህዝቢ ተፅዕኖ ንኸሕድርን ኣብ ቐረባ ዓብዪ ህዝባዊ ሰልፊ ክነድካይ ኢና ኢሎም ተጠባባቒ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ፓርቲ ኣቶ ኣስራት ኣብርሃ።

ብዛዕባ እዚ ካብ ሰበስልጣን ክልላት ደቡብ፣ኣምሓራን ትግራይን ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይተዓወተን።

XS
SM
MD
LG