ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቓልሲ ህዝቢ ኦሮሞ ኣብ ወሳኒ ምዕራፍ በፂ’ሎ ይብል ፌደራላዊ ኮንግረስ ዝተብሃለ ተቓዋሚ ፓርቲ


ሓቀኛ ፈደራላዊ ስርዓት ንናይታ ሃገር ፖለቲካዊ ሽግራት ፍታሕ ምዃኑ ኣብ ህዝቢ ኦሮሞ ሰፊሕ ተቐባልነት እናረኸበ ይመፅእ ብምህላው ቓልሲ ህዝቢ ኦሮሞ ኣብ ወሳኒ ምዕራፍ በፂሑ’ሎ ይብል ፌደራላዊ ኮንግረስ ኦሮሞ።ግዕዝይና ምጥፋእ ዝክኣል ዴሞክራሲያዊ ስርዓትን ተሓታትነትን ብምስፋን እምበር ብኣዋጅን ንሒደት ሰበስልጣን ብምእሳርን ኣይኮነን ክብሉ’ውን መራሒ እቲ ፓርቲ ገሊፆም።

ማእኸላይ ኮምቴ ፊደራላዊ ኮንግረስ ኦሮሞ 10 ግንቦት 2005 ዓ/ም ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሕቶ መሰል ህዝቢ ኦሮሞ ኣብ ወሳኒ ደረጃ ምብፅሑ ይሕብር።

ኣቦ መንበር እቲ ፓርቲ ዶ/ር መረራ ጉዲና ኣብ ክልል ኦሮሚያ ይካየድ ዘሎ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣብ ካልኦት ኽፋላት እታ ሃገር ካብ ዝካየዱ ምንቅስቓሳት ዝበለፀ እዩ ይብሉ።
ሽግር ህዝቢ ኦሮሞ ብምንታይ ዓይነት ስርዓት ክፍታሕ ከምዘለዎ እውን ግልፂ እናኾነን መልክዕ እናሓዘን መፂኡ’ሎ ኢሎም።’’ንህዝቢ ኦሮሞ ይኹን ንዝተረፈ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሓቀኛ ፌደራሊዝም ምፍጣር ናይ ኩሉ ሽግራት መፍትሒ እዩ’’

ኣብ ምሉእ ክልል ኦሮሚያ ኣብያተ ፅሕፈት እቲ ውድብ ምኽፋት ከምዝጅምሩ ንቪኦኤ ዝገለፁ ዶ/ር መረራ ነዚ ዝኸውን ናይ ገንዝብን ሓይሊ ሰብን ከምዘለዎ እውን ወሲኾም ገሊፆም።

ሽግር ህዝቢ ኦሮሞ ይኹን ካሊእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝፍታሕ ብሓቀኛ ፌደራሊዝም ምዃኑን ኣብ ውሽጢ ይኹን ወፃኢ ዝርከቡ መናእሰይ ኦሮሞ ናይ ኦሮሞ ህዝቢ ተፈሊዩ ንበይኑ ምንቅስቓሱ ስለዘይጠቐመ ምስ ካልኦት ህዝቢ ኢትዮጵያ ብምትሕብባርን ብምንቅስቓስን ንኹል ትኸውን ዴሞክራሲያዊት ኢትዮጵያ ምፍጣር ሕቶ ህዝቦ ኦሮሞ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።

መንግስቲ ኣብዚ ሎምቅነ ግዕዝይና ንምውጋእ ዝወሰዶም ስጉምትታት ካብ ልቢ ዝተፈፀመ እዩ ኢሉ ኣይኣምንን እቲ መግለፂ።ምኽንያቱ ድማ መሰረት ስርዓት ኢህወዴግ ግዕዝይና እዩ ክብል ይኸስስ።ከም መርትዖ’ውን ንኢትዮጵያ ብረድኤት ካብ ዝተውሃበ ሓገዝ ገንዘብ ካብ 11.7 ቢሊዮን ዶላር ንላዕሊ ኣብ ናይ ወፃኢ ባንክታት ከምዝተቐመጠ ተበፅሒሉ’ሎ ክብል ይኸስስ።

ንግዕዝይና ምቅላስ ዝክኣል ብዴሞክራሲያዊ ስርዓት ጥራሕ እዩ ይብሉ ዶ/ር መረራ።
ናይ ኦሮሞ ፌደራሊስት ምንቅስቓስን ናይ ኦሮሞ ህዝቢ ኮንግረስ ብዝብል ስም ይፅውዑ ዝነበሩ ውድባት ሓድነት ፈጢሮም ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ናይ ኦሮሞ ፊደራላዊ ኮንግረስ ዝብል ውድብ ፈጢሮም።
XS
SM
MD
LG