ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

”ሹመት ክልተ ምክትል ቀዳሞት ምኒስትራት ኢ-ሕገ መንግስታዊ‘ዩ” - መድረክ


Ethiopia
Ethiopia
ናይ ኢትዮጵያ ፌደራላዊ ዴሞክራሲያዊ ሓድነት ፓርቲ /መድረኽ/ ኣብ ዝሓለፈ ቕነ ፓርላማ ኢትዮጵያ ዘፅደቖ ሹመት ክልተ ምኽትል ቀዳማይ ምንስትራት ንሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ዝጠሓሰ እዩ ክብል ተቓዊምዎ።እቲ ዝተውሃበ ሹመት ምናልባሽ እውን ኣብ ውሽጢ እቲ ውድብ ሽግር ዘሎ ምዃኑ ከርኢ ይኽእል እዩ ዝብል ግምት እውን ሂቡ’ሎ።
መድረኽ ሎማዕንቲ ኣብዘውፅኦ መግለፂ ኣብ ዝሓለፈ ቕነ ንኽልተ ምኽትል ቀዳማይ ምንስትራት ዝተውሃበ ሹመት ብርክት ንዝበሉ ናይ ሕገ መንግስቲ ዓንቀፃት ዝጠሓሰ ምዃኑ እቲ መግለፂ ይዝርዝር።

ኣባል ኣመራርሓ መድረኽ ኣቶ ኣስራት ጣሴ ንቪኦኤ ኣብዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ዓንቀፅ ትሽዓተ እቲ ሕገ መንግስቲ ዝኾነ ይኹን ሕጊ፣ልማዳዊ ኣሰራርሓ፣ከምኡ’ውን ውሳነ ኣካል መንግስቲ ምስቲ ሕገ መንግስቲ ዝፃረር እንድሕር ኮይኑ ተቐባልነትን ተፈፃምነትን የብሉን ከምዝብል ብኣብነት ጠቒሶም ኣለው።’’ናይ ኩሎም ሕግታት ላዕለዋይ ሕጊ ኢልና እንፅውዖ ሕገ መንግስቲ ንኣሰራርሓ ይጥዕም እዩ ብዝብል ምኽንያት ምጥሓስ ግቡእን ትኽክልን ኣይኮነን።’’

ብዛዕባ ቤት ምኽሪ ምንስትራት ዝጠቅስ ዓንቀፅ 76 እንተኾነ’ውን ኢሎም ኣቶ ኣስራት ጣሴ ቀዳማይ ምንስቴር፣ምኽትል ቀዳማይ ምንስቴርን ምንስትራትን ኢሉ ብዘየማትእ ሓደ ምኽትል ቀዳማይ ምንስቴር ጥራሕ ክህሊ ከምዘለዎ ኣቐሚጡ እዩ ይብሉ።

ሕገ መንግስቲ ክጥሓስ ንፈለማ ግዜ ኣይኮነን ዝበሉ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ መድኽ ፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስ ብወገኖም እቲ ሹመት ዝሕብሮ ነገር እንተሃለወ ኣብ ውሽጢ እቲ ገዛኢ ፓርቲ ክእለት ኣቶ ሃይለማሪያም ደሳለኝ ብቑዕ ኮይኑ ከምዘይተርኣየ እዩ ይብሉ።

ኣቶ ኣስራት ጣሴ’ውን እቲ ሽሙተ ናይ ሽግር ምልክት እዩ ይብሉ።እቲ ሽግር ድማ ሽግር ብዘስዕብ መንገዲ ምፍታሕ ግቡእ ኣይኮነን ኢሎም ብምውሳኽ።

ካሊእ ኣባል ኣመራርሓ መድረኽ ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና ብወገኖም እቲ ሹመት ዘይሕጋዊ ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ በዚ ሹመት እዚ ኣብቲ ገዛኢ ፓርቲ ንዝቢ ኦሮሞ እየ ዝውክል ዝብል ኦህዴው ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ናብ ወሰን ዝተደፍአሉ እዩ ይብሉ።

ወሃቢ ቃል ምንስቴር ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ዲና ሙፍቲ ቅድም ክብል ብዛዕባ እቲ ሹመት ንቪኦኤ ኣብዝሃብዎ መግለፂ እቲ ብፓርላማ ኢትዮጵያ ዝተውሃበ ሹመት ንዝኾነ ይኹን ዓንቀፅ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣይጥሕስን ክብሉ ኣረጋጊፆም እዮም።
XS
SM
MD
LG