ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ መራሕቲ ተቓወምቲ ንዝርከቡዎም 10 ሰባት ብሽብር ኸሲሱ


ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ መራሕቲ ተቓወምቲ ዝርከቡዎም ዓሰርተ ሰባት ገበን ሽብር ፈፂሞም ብዝብል ኽሲ ሎማዕንቲ ዓርቢ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ኸሲሱዎም።

ንኣስታት ኣርባዕተ ኣዋርሕ ተኣሲሮም ብፖሊስ ክምርመራ ዝፀንሑ ኣቶ ሃብታሙ ኣያሌው ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ፓርቲ ሓድነት፣ኣቶ ዳንኤል ሽበሺ ምኽትል ሓላፊ ጉዳያት ውዳበ ፓርቲ ሓድነት፣ኣቶ ኣብርሃ ደስታ ምኽትል ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ፓርቲ ዓረና ትግራይ፣ኣቶ የሺዋስ ኣሰፋ ምኽትል ኣቦ መንበር ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሰማያዊ ፓርቲ ምስ ካልኦት ሽዱሽተ ተጠርጠርቲ ናይ ሽብር ተግባር ፈፂሞም ክብል ኸሲሱዎም ኣሎ።

ዓቃቢ ሕጊ ኩሎም ተኸሰስቲ ብዝተፈላለየ ደረጃ ፓርላማ ኢትዮጵያ ኣሸባሪ ክብል ምስ ዝመደቦን ግንቦት 7 ምስ ዝተብሃለ ውድብን ብምትሕብባር ናይታ ሃገር ሕገ መንግስትን ሕገ-መንግስታዊ ስራዓትን ብሓይልን ብዓመፅን ንምፍራስ ሽብር ክኣልሙን ክዳለውን ከለው ተረኺቦም ይብል ኣብቲ ኽሲ።

ተጠርጠርቲ ዝተኸሰስሉ ገበን ሽብራ መሰል ዋሕስ ዝኽልክል ስለዝኾነ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኮይኖም ጉዳዮም ንኽከታተሉ ዓቃቢ ሕጊ ነቲ ቤት ፍርዲ ሓቲቱ’ሎ።

ብዘይካ ሓደ ተኸሳሲ ኩሎም ተጠርጠርቲ ብናይ ውልቆም ጠበቓ ክውከሉ ከምዝኽእሉ ነቲ ቤት ፍርዲ ገሊፆም ኣለው።ቤት ፍርዲ ኣብ ናይ ዋሕስ መሰሎም ሪኢቶ ንምሃብ ምስጠበቓታቶም ተማኺሮም ንክቐርቡ ን26 ጥቅምቲ 2007 ዓ/ም ቆፀሮ ሂቡ’ሎ ይብል መለስካቸው ኣምሃ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝለኣኾ ፀብፃብ።

ብኻሊእ ዜና ዩናይትድ ስቴትስ ‘’ሓቂ ዘይኮነስ ሓበሬታ ብምዝርጋ ዓለዓዒልካ’’ ብዝብል ክሲ ሰለስተ ዓመት ማእሰርቲ ዝተፈረዶ ጋዜጠኛ ተመስገን ደሳለኝ ኣዚዩ ኣሻቒሉኒ’ሎ ኢላ።ሓሳብካ ብነፃነት ምግላፅን ናይ ፕረስ ነፃነትን መግለፅታት ዴሞክራሲያዊ ማሕበረሰብ ብምዃኖም ነዞም መሰላት እዚኦም ሓለዋ ምግባር ሓላፍነት ዴሞክራሲያዊ መንግስቲ እዩ ይብል መግለፂ ምንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ እዩናይትድ ስቴትስ።

ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ምስ ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኣብዝተራኸብሉ እዋን ኢትዮጵያ ዘርኣየቶ ኣብ ቁጠባን ዞባዊ ግጭት ኣብ ምፍታሕን ዘርኣየቶ ኣወንታዊ ኣብነት ናብ ስቪል ማሕበረሰብ እውን ክባፃሕ ኣለዎ ክብሉ ምግላፆም እቲ መግለፂ ይሕብር።

ኢትዮጵያ ኣብ ምኽባር ነፃነት ፕረስን ነፃ ዋሕዚ ሓሳባትን ተመሳሳሊ ምዕባለ ክተርኢ ንፅውዕ፤መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ሓሳቦም ናይ ምግላፅ መሰሎም ብምጥቃሞም ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት ክፈትሕን ደጊምና ንፅውዕ ይብል እቲ መግለፂ።

ብዛዕባ እዚ መልሲ ክህቡ ዝተሓተቱ ወሃቢ ቃል ምንስቴር ዋፃኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ዩናይትድ ስቴትስ ወይ ካልኦት መንግስታት ስለዝበሉ ከይኮነስ ኢትዮጵያ ኩሎም መሰረታዊ መሰላት ዝኽበሩላ ሃገር እያ ኢሎም።

ጋዜጠኛታት ወይ ካሊእ ሰብ ዝኽሰስ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝወፀ ሕጊ ብምጥሓሶም እምበር ብካሊእ ኣይኮነን ኢሎም እቶም ኣምባሳደር።

XS
SM
MD
LG