ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ድልየት ህዝቢ ኢትዮጵያ ሰላማውን ዴሞክራሲያውን ስግግር ስልጣን እዩ ኢሎም ኣቦ መንበር ሰማያዊ ፓርቲ


ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዘየማትእ ሰላማውን ዴሞክራሲያውን ናይ ስልጣን ስግግር ከምዝደሊ ተረዲኢና ኣለና ኢሎም ኣቦ መንበር ሰማያዊ ፓርቲ። ፓርቶም ሎማዕንቲ ሰሉስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ናይ ምረፁኒ ወፍሪ ክካይድ ከምዝወዓለ እውን ተፈሊጡሎ።

ኢህወዴግ ዴሞክራሲያዊ ኮይኑ ስልጣኑ ንምርካብ ከምዘይደሊ ሰማያዊ ፓርቲ ይፈልጥ እዩ ዝበሉ ኣቦ መንበር እቲ ፓርቲ ኣቶ ይልቃል ጌትነት ይኹን እምበር ኣብ ውሽጢ እቲ መስርሕ ኮይንና ንህዝቢ ብምምሃርን ነታ ዘላ ዕድል ብምምዝማዝን ኣብቲ ከይዲ ኣለና ኢሎም።

ናይ ፓርቶም ኣባላትን ደገፍትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብጅምላ እናተኣሰሩ እዮም ምስ በሉ ብሓፈሻ ይውሰዱ ኣለው ዝበሉዎም ስጉምትታት እውን ዘርዚሮም።

‘’ንነበርቲ ገጠር እንተድኣ ተዓዘብቲ ኮይንኹም ወይ እንተመሪፅኩም ዱኽዒ ኣይትረኽቡን፤ ሰራሕተኛታት መንግስቲ እውን ካብ መንግስታዊ ስራሕኩም ክትባረሩ ኢኹም ይብሉዎም’’ይብሉ።

ካብዚ ሓሊፉ እውን ብሃይማኖታዊ መራሕቶም ኣቢሎም ካብቲ መስርሕ ንዓርሶም ከግልሉ ፅዕንቶ የሕድሩሎም ኣለው ኢሎም።

ፓርቶም ኣብቲ ሕብረተሰብ ዝተፈጥረ ፀገም የለን፤ስግኣት ዘሕድር ዋላ ሓደ ነገር የለን ዝብል እምነት ኣለዎም ብመሰረት መግለፂ ኣቶ ይልቃል።መንግስቲ ድማ ገለ ሓይልታት ናይ ቀለም ኣብዮት ወይ ለውጢ ንምልዕዓል ድልየት ኣለዎም ክብል ብተደጋገሚ መግለፂ የውፅእ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG