ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ህዳሴ ግድብ ንተቓወምትን ህዝብን ከሳትፍ ክልተ ተቓወምቲ ፓርትታት ፀዊዖም


Ethiopia map
Ethiopia map
መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብቲ ናይ ገዛኢ ፓርቲ ኣመላኻኽታ ወፃኢ ዝኾኑ ዜጋታት ኣብ ግድብ ህዳሴ ከምዘይምልከቶም ገይሩ ምሕሳቡ ዝነቐፉ ተቓወምቲ ፓርትታት እቲ ኩነታት ንኽዕረ ሓቲቶም።

ብኽልተ ተቓወምቲ ፓርትታት ዝወፁ መግለፅታት ምስ ግብፂ ዝተፈጠረ ምስሕሓብ ንኩሎም ናይ ኢትዮጵያ ሓይልታት ዘሳትፍ ፍታሕ ክእልሽ ከምዘለዎ ይሓቱ።

ናይ ኢትዮጵያ ፌደራላዊ ዴሞክራሲያዊ ሓድነት መድረኽ ገዛኢ ፓርቲ ጥራሕ ከይኮነስን ኩሎም ኢትዮጵያዊያን ሓይልታትን ህዝብን ኣካል እቲ ፍታሕ ክኾኑ ኣለዎም ይብል።

ዝተፈላለዩ ናይ ግብፂ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣብቲ ጉዳይ ከምዝመኸሩ ዘዘኻኸሩ ምኽትል ኣቦ መንበርን ሓላፊ ርክብ ህዝብን መድረኽ ፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ንናይታ ሃገር ሓይልታት ኣግሊሉ’ሎ ኢሎም።

እቲ ጉዳይ ካብ ኣሰላልፋ ፖለቲካዊ ፓርቲ ሓሊፉ ሃገራዊ ጉዳይ ስለዝኾነን ምሉእ ብምሉእ ስለዘይተፈትሐን ህዝቢ ኢትዮጵያን ሓይልታት ፖለቲካን ኣካል እቲ መፍትሒ ክኾኑ ወሲኾም ፀዊዖም ፕሮፌሰር በየነ።

ኣብቲ ጉዳይ መግለፂ ዘውፅአ ተቓዋሚ ሰማያዊ ፓርቲ እውን ገዝኢ ፓርቲ ዜጋታት ንናይቲ ግድብ ስራሕ ከምዘይምልከቶም ገይሩ ምቕራቡ ሕሱር ፕሮፓጋንዳ እዩ ኢሉዎ’ሎ።ግብፂ ንዝሓዘቶ መርገፂ እውን ይኹንን እቲ መግለፂ።

ኣብ ሩባ ኣባይ ግድብ ምህናፁ ሕጉሳት እነትኾንና’ውን ኣብ ከይዲ ግን ኣብ ኩሉ መዳይ ግልፅነት ዝጎደሎ ብምዃኑ እቲ ፕሮጀክት ናይ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም ኣቦ መንበር እቲ ፓርቲ ኣቶ ይልቃል ጌትነት።

እዞም ሽግራት እዚኦም እንተሃለው እውን ግን ናይ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ደሕንነትን ክብርን ዝጎድእ ሓደጋ ክመፅእ ከሎ ናይ ውሽጢ ቕሬታታት ክፍትሑን ክዕረዩን ንመንግስቲ ብምሕታት ካብ ግብፂ ዝመፅእ ከምዚ ዝበለ ተፃባኣይ ኣተሓሳስባ ዘይኽውን እዩ ኢሎም።
ዝተፈጠረ ወጥረት ብምይይጥ ንኽፍታሕን መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ብርቱዕ ዲፕሎማሲያዊ ፃዕሪ ንኽገብርን ሰማያዊ ፓርቲ ኣተሓሳሲቡ።

ግብፂ ነዚ ኣይቅበልን ኢላ ድልየተይ ብሓይሊ ከፈፅም እየ ትብል እንተኾይና ግን ናይ ወለድና ታሪካዊ ሰዓርነት ክንደግሞ ኢና ይብል እቲ መግለፂ።
XS
SM
MD
LG