ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕብረት ኣውሮዻ ምስ ተቃወምቲ ፓርቲታት ኢትዮዽያ ተዘራሪቡ


Ethiopia
Ethiopia
ወከልቲ ተቃወምቲ ኢትዮዽያ ምስ ልኡኻት ሕብረት ኣውሮዻ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተዘራሪቦም።

ኣብ‘ቲ ምኽኽር ካብ መድረክ ዶ/ር ነጋሶ፣ዶ/ር መረራን ኣቶ ጥላሁን እንደሻውን፣ኣቶ ኣበባው መሓሪ ካብ መኢኣድ ከምኡውን ባዕሎም ኣቶ ይልቃል ብወገን ተቃወምቲ ኢትዮዽያ፣ብወገን ሕብረት ኣውሮዻ ድማ ኣርባዕተ ኣባላት ከምዝተሳተፉ ተሓቢሩ‘ሎ።

ተቃወምቲ ኢትዮዽያ ንዘልዐልዎም ኣጀንዳታት ክጠቅሱ ከለው ኣቶ ይልቃል፣ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ፖለቲካዊ ባይታ ኢትዮዽያ ካብ ምፅባብ ሓሊፉ ይዕፆ ከምዘሎ፣መንግስቲ ንሕገ-መንግስቲ ተፃሪሩ ኣብ ልዕሊ ሲቪካዊ ማሕበረ-ሰብ፣ሚድያታት፣ኣዋጅ መርየትን ፀረ-ግብረ-ሸበራ ኣዋጅ ተባሂሉ ጋዜጠኛታት ባዕሎም ሳንሱር ንክገብሩ፣ፖለቲከኛታት ተንቀሳቂሶም ንከይውድቡ ኣብ ጭንቀት ንክነብሩን ጋዜጠኛታትን መራሕቲ ፖለቲካ ዘእሰረን ሕጊ-ፀረ-ግብረ-ሸበራ ንክላዓል ከምዝተሓተተን ጠቂሶም።

መንግስቲ ነዞም ዝተጠቅሱ ስጉምቲ ዝወሰደ ኣውራ-ፓርቲ ኮይኑ ኣብ ስልጣን ንክፀንሕ ዝገበሮ ምኻኑ ተገሊፁሎም ኢሎም።ኣቶ ይልቃል ወሲኾም፣ከም‘ቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝግበር፣ኢትዮዽያ’ውን ዳሓር ኣብ ፀገም ኣትያ ዓቃቢ-ሰላም ካብ ተዋፍሩ፣ሎሚ ንፈታዊኹም ኢህወዴግ እንተትመኽርዎ ዝበለፀ‘ዩ ዝብል ሪኢቶ ምርር ብዝበለ ኣገባብ ካብ ተቃወምቲ ከምዝቀረበ ገሊፆም።

ገዛኢ ፓርቲ ኢህወዴግ ብዛዕባ‘ቲ ኣቶ ይልቃል ዝገለፅዎ ዝተፈለየ መርገፂ ከምዝህብ ይፍለጥ።

ኣቶ ይልቃል ”ሓቂ ንምዝራብ፣ብዛዕባ መንግስቲ ኢትዮዽያ፣ናብ‘ዚ ቅድሚ ምምፀኦም፣ ሓበሬታ ከምዝረኸቡን ከምዝፈልጡን፣ብሕልፊ ሕጊ-ፀረ-ግብረ-ሸበራን ናይ እስልምና ፀገምን ፅቡቅ ገይሮም ከምዝርድኡን።እንተኾነ ኣብ ሞንጎ ጉባኤ ሕብረት ኣውሮዻን ንኡስ ኮሚቴ መሰላትን መጠነኛ ኣፈላላይ ከምዘሎ። ተሰማዕነት ዘለዎም ኣባል ሃገራት፣ኢህወዴግ ረጋፃይ መንግስቲ‘ውን እንተኾነ፣ ብምዕባለ ከምዝገስገሰን ፅቡቅ ለውጢ ዘመዝገበን‘ዩ።ስለዚ ካባኻትኩም ንረኽቦ ሓበሬታ፣ወግዓዊ ንምግባር ስለዘፀገመና፣እንታይ ትብሉ ዝብል ኣገራሚን ግልፅን ሪኢቶ‘ዮም ሂቦምና“ ኢሎም።

ተቃወምቲ ብወገኖም ዝሃብዎ መልሲ፣መንግስቲ ገዚፍ ልቃሕን ሓገዝን ረኺቡ‘ዩ።ዝኾነ ፖለቲካዊ ፓርቲ ስልጣን እንተዝዓትር፣ኣብ ዓመት 3.9 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ እናረኸበ ማዕረ‘ቲ ኢህወዴግ ዘመዝገቦ ምዕባለ ከመዝግብ ከምዝኽእል፣ካብኡ ሓሊፉ ፖለቲካዊ ስልጣን እንተሒዙን ህዝቢ ኢትዮዽያ እንተተሳቲፉሉን፣ኢትዮዽያ ካብ‘ዚ ንላዕሊ ክትዓቢ ከምትኽእል ገሊፆም‘ዮም ንልኡኻት ሕብረት ኣውሮዻ ይብሉ ኣቶ ይልቃል።

ወከልቲ ሕብረት ኣውሮዻ ከም‘ዚ ዓይነት መድረኽ ፈጢሮም ንተቃወምቲ ምድማፆም ሓደ ስጉምቲ ንቅድሚት‘ዩ ዝበሉ ኣቶ ይልቃል፣ኩነታት ኢትዮዽያ ኣብ ምግላፅን ምብራህን ካብኡ ሓሊፉ ኣማራፂ ኣተሓሳስባ ኣቅሪብካ ጠንካራ ፓርቲ ኮይንካ ምውፃእ፣ናይ ተቃወምቲ ሓላፍነት‘ዩ ኢሎም።

ልኡኻት ኣውሮዻ ንእሱራት ከምዝበፅሑዎም‘ውን ገሊፆምልና‘ዮም ይብሉ ኣቦ-መንበር ሰማያዊ ፓርቲ።ኣባላት ኮሚቴ ርክባት ወፃኢን ሰብኣዊ መሰላትን፣ፅባሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጋዜጣዊ መግለፂ ከምዝህቡ ተፈሊጡ‘ሎ። እንተተረኺቡ፣ምላሽ መንግስቲ‘ውን ክነቅርበልኩም ኢና ይብል እስክንድር ፍሬው ዝላኣኾ ሪፖርት።
XS
SM
MD
LG