ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ ዝተኻየደ ሰልፊ ዘተባብዕ እንተኾነ’ውን ከቢድ ፈተናታት ይፅበዩና ኣለው ይብሉ መራሕቲ ተቓዋምቲ


ደገፍቲ ናይ ኢትዮጵያ ተቓዋሚ ፓርቲ ኣብቶም ዝሓለፉ ሸሞንተ ዓመታት ፈላማይ ሰላማዊ ሰልፊ ዝሓለፈ ሰሙን ምክያዶም ይፍለጥ።እቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ገዛኢ ፓርቲ ኢህወዴግ ተቓወምቲ ፖለቲካ ክሰርሕሉ ዝኽእሉ ሃዋህው ክፈጥርዶ ይኸውን ዝብል ተስፋ ኣሕዲሩ’ሎ።መራሕቲ ሰልስተ ተቓወምቲ ፓርትታት ግን ዝተኻየደ ሰልፊ ብዘየገድስ ተቓወምቲ ከቢድ ፈተናታታት ይፅበዮም ኣሎ ይብሉ።

ኢንጅነር ሃይሉ ሻውል ኣብ 2005 ኣ/ፈ ዝተኻየደ ምርጫ ስዒቡ ብዝተልዓለ ህውከት ምኽንያት ተኣሲሮም ዝነበሩ መራሒ ተቓዋሚ እዮም።ንሶም ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዓብዪ ዓወት እንተኾነ’ውን ዘላቒ ኣይኸውንን ይብሉ።

ንሶም ብዙሕ ዝልወጥ የለን ይብሉ።’’ዕላማ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ህዝቢ ስግኣቱ ንኽገልፅ፣መንግስቲ ድማ ንኽሰምዕን ምናልባሽ እውን ፖሊስታቱ ንኽልውጥን እዩ።ኣብዚ ግን እዚ ኮይኑ ኣይፈልጥን።’'

ምስ ኣቶ ሃይሉ ሻውል ኣብ ማእሰርቲ ዝነበሩን ሎሚ’ውን ኣብ ፖለቲካ ብዕቱብ ይሳተፉ ዘለውን ዋና ፀሓፊ ተቓዋሚ ፓርቲ ሓድነት ንዴሞክራስን ፍትሕን ኣቶ ኣስራት ጣሴ እውን እቲ ሰልፊ ዓብዪ ዓወት እዩ ይብሉ።

ከምዚ ክቕፅልን ካልኦት እውን ንኽስዕብዎን ተስፋ ኣለዎም።ተቓወምቲ ፓርትታት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ፅዕንቶ ካብ ምሕዳር ካሊእ መማረፂ የብሎምን ይብሉ ብምውሳኽ ኣቶ ኣስራት።

ካብ 1991 ኣ/ፈ ጀሚሮም መራሒ ተቓዋሚ ዝኾኑ ፕሮፌሰር በየን ጴጥሮስ ብወገኖም ንፃዕርታት ሰማያዊ ፓርትን መናእሰይ ኣባላቱን ብምንኣድ ንቕድሚት ብዙሓት ፈተናታት ከምዝፅበዩዎም ይሕብሩ።

እቲ መንገዲ ብቐሊሉ እትኸደሉ ክመስል ይኽእል ይኸውን ምስበሉ ኣስዒቦም ‘’ንዝተሓላለኸ ሽግራት ፖለቲካዊ ፓርትታት ኢትዮጵያ ኣስፍሕ ኣቢሎም ክርኢዎ ኣለውም።’’

ኣብ ደንበ ተቓውሞ ተሓዊሱ ንእምነቱ ዝቃለስ ዘሎ መንእሰይ ወለዶ ምስ ምኽፋል ብዙሕ መስዋእነት ከምዝኾነ ኣቶ ኣስራት ይገልፁ።‘’ንነፃነትና ክንቃለስ ኣለና።ነፃነት ድማ ብነፃ ኣይርከብን።ሓደጋ ክህልዎ እዩ።’’

ሰማያዊ ፓርቲ ናይ ፖለቲካ እሱራት ንኽፍትሑን ተወሳኺ ፖለቲካዊ ነፃንት ንኽረጋገፅን ሓዊሱ ዘቕረቦም ሕቶታት እንድሕር ዘይተመሲሎም ኣብ ውሽጢ ሰልሰት ወርሒ ካሊእ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከካይድ እየ ኢሉ’ሎ።
XS
SM
MD
LG