ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ሕብራዊ ለውጢ ናብ ኢትዮጵያ ክመፅእ እንተኮይኑ ካብ ተግባራት ኢህወዴግ'ምበር ካብ ደገ ኣይምንጩን' ይብሉ ተቃወምቲ


ኣብ ኢትዮጵያ ሕብራዊ ለውጢ ክላዓል እንተኾይኑ ብናይ ኢህወዴግ ቅጥዒ ዘይብሉ ኣሰራርሓ’ምበር ብደጋዊ ሓይሊ ኣይኮነን ኢሎም ፕረዚደንት ሰማያዊ ፓርቲ።እሱራት መራሕቲ ተቃወምቲ ድማ ፈጠርቲ ራዕዲ ኣይኮኑን ኢሎም መራሒ ኣንድነት ፓርቲ።

ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ ቅድሚ ትማሊ ንጋዜጣኛታት ሚድያታት ወፃኢ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ፡ምርጫ ብዝመፀ ቁፅሪ ሓይልታት ኒዮሊበራል ኣብ ኢትዮጵያ ሕብራዊ ለውጢ ንምጅማር ከምዝሰርሑ ገሊፆም’ዮም።

ኣቶ ይልቃል ጌትነት ግና እቲ ፀገም ናብ ወፃኢ ንምስባብ’ዩ ኢሎም ንኣባሃህላ’ቶም ቀ/ሚ ተቃዊሞምዎ።

“ነቲ ፀገም ናብ ደጋዊ ምንጪ ምስባብ ናፃ ኣይገብርን።ናዕቢ እንተተወሊዑ፡ ሓድሽ ነገር’ውን ኣይኮነን፡ኣብ ዝተላዓለለን ሃገራት ንመለኽቲ ፀራሪግዎም’ዮ።ኣብ ኢትዮጵያ’ውን እንተተላዒሉ ብናይ ኢህወደግ ቅጥዒ ዝሳኣነ ኣሰራርሓን ናብ ቤ/ትምህርቲ ንዝወፈሩ ግንባሮም ብጥይት ስለዝወቅዓን’ምበር፡ፈረንጂ’ዩ ከም’ዚ ዝገብር ዘሎ፡ናይ ወፃኢ ትካል’ዩ’ባ፡ ምባል ኣይካኣልን” ኢሎም ንሶም።

ንሪኢቶ ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣምሪሮም ዝቃወሙ ኣባል መሪሕነት ኣንድነት ዶ/ር መረራ ጉዲና ሓደ’ዮም።ብፍርዲን ብዘይፍርዲን ተኣሲሮም ዘለው ገለ ኣባላት ተቃወምቲ ምስ ጉጅለታት ግብረ-ሸበራ ዝተኣሳሰሩ’ዮም ንዝብል ኣባሃህለኦም ይነፅጉ ዶ/ር መረራ ጉዲና።

please wait

No media source currently available

0:00 0:03:25 0:00

XS
SM
MD
LG