ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልተ ተቓወምቲ ፓርትታት ኢትዮጵያ ንቀዳማይ ምንስቴር እታ ሃገር ዘቕርብናዮ ሕቶ ምላሽ ኣይረኸበን ኢሎም


ካብ ኢትዮጵያ ክልላት ቤንሻንጉልን ደቡብን ንዝተፈናቐሉ ሓረስቶት ፍታሕ ንኽውሃብ ንቕዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ዝፅሓፍዎ ደብዳበ ዛጊድ ምላሽ ከምዘይረኸቡ ክልተ ተቓወምቲ ፓርትታት ኣፍሊጦም።

ጉዳይ እቶም ሓረስቶት ፍታሕ ዘይረክብ እንተኾይኑ ንመንግስቲ ንምኽሳስ ዝጀመርዎ መስርሕ ከምዝቕፅልሉ ተቓወምቲ ፓርትታት መኢኣድን ሰማያዊን ሎማዕንቲ ሓሙስ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ሓቢሮም።

ካብ ክልላት ቤንሻንጉል ጉምዝን ደቡብን ቅድሚ ሕዚ ኣብ ልዕሊ ዝተመዛበሉ ሓረስቶት ተወለድቲ ኣምሓራን ኦሮሞን እቲ በደል ሎሚ’ውን ጠጠው ኣይበለን ኢሎም እዞም ተቓወምቲ ፓርትታት።ንመንግስቲ ንምኽሳስ ብፍሉጥ ብዓል ሙያ ሕጊ ዶ/ር ያእቆብ ሃይለማሪያም ዝምራሕ ናይ ጠበቓታት ጉጅለ መረዳእታ ምትእኽኻብ ምጅማሩ ይዝከር።

ሎማዕንቲ ኣብ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግልፂ ትሕዝቶ እቲ ደብዳቤ ዝተነበ እንትኸውን ካብቶም ሕቶታት ተመዛበልቲ ቅድም ክብል ናብ ዝነበርዎ ንኽምለሱ፣ንብረቶም ብህፁፅ ንኽምለሰሎም፣ተመዛበልቲ ንዝበፅሖም ጉድኣት ተመጣጣኒ ካሕሳ ንክኽፈሎም፣ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ዜጋታት ተመሳሳሊ በደል ከይፍፀሞም ሓለዋ ንኽግበረሎምን እቶም በደለኛታት ግቡእ መቕፃዕቲ ንኽረኽቡን ዝብሉ ይርከቡዎም።እዚ ተዘይኮይኑ ግን ነቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ክንወስዶ ኢና ይብል ብምውሳኽ እቲ ደብዳበ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ጉዳይ እቶም ተምዛበልቲ ምላሽ ይረክብ ከምዘሎ ይገልፅ።ብፍላይ ድማ ኣብ ቤንሻንጉል ጉምዝ ንምምዝባል እቶም ሓረስቶም ምኽንያት ዝኾኑ 12 ኣባላት ኣመራርሓ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሎም፣ካልኦት ድማ ካብ ሓላፍነቶም ከምዝተልዓሉን እቶም ሓረስቶት እውን ናብ ዝነበርሉ ከባቢ እናተመለሱ ምዃኖምን ኣፍሊጡ’ሎ።ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ነቲ ተግባር ብወግዒ ኣውጊዞምዎ እዮም።

መኢኣድን ሰማያዊ ፓርትን ግን ብቶም ስጉምትታት ኣይዓገቡን፤ናይቶም ሓረስቶት ፀገም እናቐፀለ ኣብዘለሉ እዋን ብመንግስቲ ይግለፁ ዘለው ገሊኣኦም ኣብ ባይታ ንዘሎ ሓቂ ኣየርእዩን ይብሉ።

እቶም ቀዳማይ ምንስቴር ብቑዕ ምላሽ እንድሕር ዘይህቦም ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብዘለው ኣብያተ ፍርዲ ዘይክኣል እንተኾይኑ ነቲ ጉዳይ ናብ ዓለምለኸ መጋባእያ ከምዝወስድዎ እቶም ተቓወምቲ ገሊፆም ኣለው፤መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዝሃቦ ሪኢቶ የለን ይብል ነቲ ጋዜጣዊ መግለፂ ዝተኸታተለ ወኪልና እስክንድር ፍሬው ካብ ኣዲስ ኣበባ።
XS
SM
MD
LG