ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተቓዋሚ ውድብ ዓረና ትግራይን ኣብ መቐለ ዝፀውዖ ሰልፊን


ኣቦ መንበር ዓረና ትግራይ ኣቶ ኣብርሃ ደስታ
ኣቦ መንበር ዓረና ትግራይ ኣቶ ኣብርሃ ደስታ

ተቓዋሚ ውድብ ዓረና ትግራይ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ኣብ መቐለ ዝፀውዖ ሰላማዊ ሰልፊ መንግስቲ ብዝሒ ዘለዎም ዕጡቓት ብምውፋር ከቢድ ዕንቅፋት እንተፈጠረ ዕውት ነይሩ ኢሎም ኣቦ ወንበር እቲ ውድብ ኣቶ ኣብርሃ ደስታ።

ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ይፍፀም ዘሎ መንነት መሰረት ዝገበረ መጥቓዕቲ ንምቅዋምን ጠጠው ንክብል ንምሕታትን ኣብ ዝተፀውዐ ሰልፊ ሓይልታት ፀጥታ ሰባት ናብቲ ሰልፊ ከይኣኸዱ ይኽልክሉን የፈራርሑን ነይሮም ኢሎም።

ብዛዕባ እዚ ካብ ምምሕዳር ከተማ መቐለ መብርሂ ንምርካብ ተደጋጋሚ ፃዕሪ ተገይሩ ኣይተዓወተን።ንመንግስቲ ቕርበት ዘለዋ ሬድዮ ድምፂ ወያነ ትግራይ ኣብ ናይ ቀዳም ፈነውኣ ‘’ውድብ ዓረና መድረኽ ዝሓተቶ ሰልፊ ኣብ ሓፂር እዋን ዝቐረበ ምስ ምዃኑን ዝሓተቶም ነገራት ንምምላእ ኣፀጋሚ ብምዃኑን ፍቓድ ኣይተውሃቦን’’ ክብሉ ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣቶ ዳንኤል ኣሰፋ ምግላፆም ፀብፂባላ።

ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:09:01 0:00

XS
SM
MD
LG