ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተቃወምቲ ፓርቲታት ኢትዮጵያ ብዛዕባ መደረ ፕረዚደንት ሙላቱ ተሾመ እንታይ ይብሉ?


ፓርላማ ኢትዮጵያ
ፓርላማ ኢትዮጵያ

ዶ/ር መረራ ጉዲና፣ መደረ ፕረዚደንት ሙላቱ ‘ኣዝዩ ውሑድን ዝደንጎየን’ዩ’ ኢሎም’ለው። ናብራ መናእሰይ ንምልዋጥ ‘ዓሰርተ ቢልዮን ቅርሺ መዲበ ይንቀሳቀስ ኣለኹ’ሞ፣ ኣእማን እናደርበኹም ካብ ትእሰሩ፣ ትጠምዩን ትሞቱን ምሳይ ወግኑ’ ዝብል ውጥን ነዚ ‘ሜላን በትሪን’ ዝብል ስትራተጂ ንምጥቃም ዘለዎ ስትራተጂ ምኻኑ’ውን ዶ/ር መረራ ሓቢሮም።

መራሒ ሰማያዊ ፓርቲ ኣቶ የሺዋስ ኣሰፋ ብወገኖም፣ እቲ መደረ ዝሓዞም ነጥቢታት ውጽኢት ህዝባዊ ቃልሲ’ዩ ኢሎም።

ዶ/ር በዛብህ ደምሴ ኣቦ-መንበር መኢኣድ ‘ህዝቢ ኢትዮጵያ ሓቲቱ’ሎ፣ መንግስቲ ነቲ ሕቶ ቅልጡፍ መልሲ ክህብ ይግባእ ነይሩ’ ኢሎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጥረ ህውከትን ቅልውላውን ዝጀመረን ዝተባረጰዐን ብናይ ወፃኢ ሓይልታትን ብሽብር ዝተመደቡ ኦነግን 7 ግንቦትን ምዃኑ ናይ’ታ ሃገር ፕሬዝዳንት ሙላቱ ተሾመ ከምዝገለጹ ኣብ ዝሓለፉ መደባት ገሊጽና ነይርና። እቶም ፕረዚደንት፣ ኣብያተ ምኽሪ ኢትዮጵያ፣ ዝተፈላለዩ ድምፅታት ዝቃልሐሎም መታን ክኾኑ ሕጊ ምርጫ ክልወጥ ኣለዎ’ውን ኢሎም ነይሮም።

please wait

No media source currently available

0:00 0:04:32 0:00

XS
SM
MD
LG