ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣካላት መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ሕፁያት ተወዳደርቲ በደል ይፍፅሙ ኣለው ክብል መድረኽ ኣማሪሩ


ሕፁያት ተወዳደርቲ ተቓዋሚ ፓርቲ መድረኽ ብኣካላት መንግስቲ ዝተፈላለዩ በደላት ይፍፀሞም ከምዘሎ ሓደ ላዕለዋይ ኣባል ኣመራርሓ መድረኽ ገሊፆም።ቦርድ ምርጫ ብወገኑ ግቡእ ናይ መአረሚ ስጉምቲ ክውሰድ እዩ ኢሉሎ።

መድረኽ ኣብ ናይ 2007 / ሃገራዊ ምርጫ ዘዕግብ ምንቅስቓስ ኣብ ምክያድ ይርከብ ዝበሉ ላዕለዋይ ኣባል ኣመራርሓ ናይ ኢትዮጵያ ፌደራላዊ ዴሞክራሲያዊ ሓደነት መድረኽ / መረራ ጉዲና ይኹን እምበር ኣብ ልዕሊ ተወዳደርትን ደገፍትን መድረኽ ካብ መንግስቲ ይበፅሕ ኣሎ ዝበለዎ ፀቕጢ ዝለዓለ እዩ ኢሎም።

ፀሓፊን ሓላፊ ቤት ፅሕፈትን ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣቶ ነጋ ዱፊሳ ብወገኖም መድረኽ ኣብዚ ምርጫ እዚ ዝለዓለን ዕዉትን ናይ ምርጫ ምልዕዓል የካይድ ዘሎ ውድብ እዩ ምስበሉ ቤት ፅሕፈቶም ናይ ዝኾነ ይኹን ቅሬታ እናመርመረ ስጉምቲ ክወስድ እዩ ኢሎም።ዘፃሪዩ ጉጅለታት ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ተላኢኾም እውን ኢሎም ኣለው።

XS
SM
MD
LG