ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕላዋይነት ሕጊ ከየኽበርካ ልምዓት ክተምጽእ ዘይሕሰብ`ዩ ይብል መድረኽ ዝተባህለ ተቓዋሚ ኢትዮጵያ


ብልሽውና መግለጺ ሃገርን መለለዪ ባህርይ`ቲ ስርዓትን ዝኾነሉ ኩነታት`ዩ ዘሎ ይብል መድረኽ

መድረኽ ዝሓለፈ ቐዳም ኣብ ዘካየዶ 5ይ ጉባኤኡ፡ ክብሪ ዋጋ ንድኻታት ናብ ዝበኣሰ ድኽነት ከምዘእተወ ጠቒሱ። ኣቦ-መንበሩ ኣቶ ገብሩ ኣስራት፡ ልምዓት ክመጽእ መሰረታዊ ዝኾነ መዋድዳዊ ለውጢ ክግበር ኣለዎ ኢሎም። “ብርግጽ ኣብዛ ሃገር ዓቢይ ጸገም ኾይኑ ዘሎ ናይ ሰበስልጣን መንግስቲ ናይ ግዕዝይና ጉዳይ`ዩ..ክትሓብኦ`ውን ዝክኣል ኣይኮነን፡ ጉዳይ ግድብ ኣባይ ኣምጺኻ`ውን ክትሽፍን ኣይትኽእልን ኢኻ”።

ኣብ ኢትዮጵያ ናይ መንግስቲ ተሓታታይነት የለን ዝበሉ ኣቶ ገብሩ፡ ንኣተሓሕዛ ፕሮጀክት ግድብ ህዳሴ ነቒፎም።

ንምሉእ ትሕዝቶ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቕ፡

XS
SM
MD
LG