ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣቦ መንበር ውድብ ዓረና ትግራይ ኣብርሃ ደስታ መጥቓዕቲ ከምዝተፈፀሞም እቲ ውድብ ገሊፁ


አቶ አብርሃ ደስታ
አቶ አብርሃ ደስታ

ኣቦ መንበር ተቓዋሚ ፓርቲ ዓረና ትግራይ ኣቶ ኣብርሃ ደስታ መንነቶም ብዘይተፈልጡ ሰለስተ ሰባት ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ኣብ ከተማ መቐለ ከምዝተወቕዐ እቲ ፓርቲ ኣፍሊጡ።ኣቶ ኣብርሃ ደስታ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ደሓን ኩነታት ከምዝርከቡ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ፓርቲ ኣቶ ዓምዶሞ ገብረስላሴ ገሊፆም።

ሓላፊ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ኣቶ ገብረሚካኤል መለስ
ሓላፊ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ኣቶ ገብረሚካኤል መለስ

ሰለስተ ሰባት ብድሕሪት መፂኦም ክሳዶም ከምዝሓነቑዎምን ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሰባት ህይወቶም ከምዘድሓኑዎምን ኣቶ ዓምዶም ይዛረቡ።ንናይቲ ከባቢ ፖሊስ ምምልካቶም ድሕሪ ምግላፅ ይኹን እምበር ኣብ ልዕሊ ኣባላት ዓረና ትግራይ ኣብዝተፈላለዩ እዋናት ክሳብ መቐትለቲ ዝበፅሑ መጥቓዕትታት፣ምቕጥቃጥ፣ብጉልባብ ሕጊ ምእሳርን ምፍርራሕን ዝቐፀለ በደል እዩ ኢሎም።

ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ኣቶ ኣብርሃ ደስታ ዝተፈፀመ መጥቓዕትን ክስታት ዓረና ትግራይን ዝተሓተቱ ወሃቢ ቃል ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣቶ ገብረሚካኤል መለስ ፖሊስ ምፅራዩ ምስ ወድአ ንህዝቢ ዕላዊ ክገብር እዩ ኢሎም።ይኹን እምበር ዝኾነ ይኹን ሰብ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስብኡ ወይ ዝስዕቦ ፖለቲካዊ ፓርቲ ዝበፅሖ በደል የለን፤ዝእሰሩ ሰባት እንተሃሊዮም ድማ ምስ ዝፍፅምዎ ገበን ተኣሳሲሩ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ዝውሃቦ ፍርዲ እዩ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣቶ ኣብርሃ ደስታ መጥቓዕቲ ተፈፂሙዎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:08:17 0:00

XS
SM
MD
LG