ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግስቲ ብጅምላ ኣሲሩዎም ንዝበሎም ዜጋታት ንኽፈትሕ መድረኽ ሓቲቱ


እቲ ገዛኢ ፓርትን መንግስትን ብፍላይ ኣብ ክልል ኦሮምያ ኣብ 12 ዞባታት ካብ 2 ለካቲት 2003 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ናይ ማእሰርቲ ናይ ምፍርራሕን ናይ ምንክልባትን ተግባራት ብዝኸፍአ መልክዑ እናተፈፀመ እዩ ክብል እቲ መግለፂ ይኸስስ።

ናይ ኢትዮጵያ ፌደራላዊ ዴሞክራሲኣዊ ሓድነት መድረኽ ኢህወደግን መንግስቱን ኣብዚ ሕዚ እዋን መሰሎም መንዚዑ ብጅምላ ኣሲሩዎም ንዝበሎም ዜጋታት ንኽፈትሕ ሓቲቱ።ንኢንቨስተራት ይወሃብ ዘሎ ሰፋሕቲ መሬት እውን መድረኽ ተቓዊሙ።

መድረኽ ትማሊ ኣብዝዘርግሖ መግለፂ ሰብኣውን ዴሞክራሲያውን መሰላት ካብ ትማሊ ብዝኸፍአ ሎሚ እናተጥሓሱ ይርከቡ ይብል።

እቲ ገዛኢ ፓርትን መንግስትን ብፍላይ ኣብ ክልል ኦሮምያ ኣብ 12 ዞባታት ካብ 2 ለካቲት 2003 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ናይ ማእሰርቲ ናይ ምፍርራሕን ናይ ምንክልባትን ተግባራት ብዝኸፍአ መልክዑ እናተፈፀመ እዩ ክብል እቲ መግለፂ ይኸስስ።

ናይዚ እዋን ኣቦመንበር መድረኽን መራሒ ዓረና ትግራይን ኣቶ ገብሩ ኣስራት ንቪኦኤ ኣብዝሃብዎ ቃል ብፍላይ ኣብ ኦሮምያ ኣብ 11 ዞባታት ልዕሊ 300 ሰባት ተኣስሮም ይብሉ።ገሊኦም ዘለውሉ ቦታ ከምዘይፍለጥን ገሊኦም ድማ ማእኸላይ ኣብዝበሃ ቤት ማእሰርቲ ኣዲስ ኣበባ እንተሃለው’ውን ምሕታት ግን ከምዘይክኣል ብምሕባር ኣብ ትግራይን ኣምሓራን ሓል ሓሊፉ ናይዚ ዓይነት ናይ ምእሳርን ምፍርራሕን ምንቅስቓሳት እናተኻየዱ እዮም ኢሎም።

መድረኽ ይኹን ናይ መድረኽ ኣባል ውድባት ተኣሲሮምና ናይዝበሉዎም ሰባት ብዝምልከት መንግስቲ ምስ ዝህቦ መግለፂ ዝተፈለየ እዩ።ሰበስልጣን መንግስቲ ብተደጋጋሚ ከምዝበሉዎ ሕዚ ይኹን ቅድሚ ሕዚ ዝእሰሩ ሰባት ምስ ውድባት ግብረ ሽበራን ተግባር ግብረ ሽበራን ብምትእስሳሮም እዩ ይብሉ።

ኣቶ ገብሩ ግን እዚ ኣበሃህላ ካብ ሓቂ ዝረሓቐን መድረኽ ኣብዛ ሃገር ብሰላማውን ሕጋውን መንገዲ ንምቅላስ ዝወሰነን ነዚ’ውን ቆሪፁ እናተንቀሳቐሰ ዘሎን ውድብ ምዃኑ ይገልፁ።የግዳስ ይብሉ ኣቶ ገብሩ ኣስራት ሽበራ ማለት ብዘይ ኣግባብን ብዘይ ሕግን ምእሳርን ስለዝኾነ ነቲ ህዝቢ እናሸበረን እናጨነቐን ዘሎ ኢህወደግ’ዩ ይብሉ።

መድረኽ ኣብዚ መግለፂኡ ናይ ኢትዮጵያ ሃብቲ ዝኾነ መሬትን ናይ ተፈጥሮ ዱርን ናይቲ ህዝቢ ረብሓ ብዘየኽብር ኣገባብ ንኢንቨስተራት 99 ዓመታት ንዝበፅሕ ግዜ ነፃ ክብሃል ብዝኽእል እናሃበ እዩ ይብል።

ኣብዚኣ'ሞ

ዚምባብወ ድሕሪ ሙጋበ ሕጂውን በቲ ገዛኢ ሰልፊ ምሕደርኣ ክቕጽል'ዩ። እዚ ኣብ'ታ ሃገር ዝተራእየ ለውጢ እምበኣር

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG