ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጥምረት 33 ፓርትታት ኢትዮጵያ ንሰማያዊ ፓርቲ ካብቲ ምትእኽኻብ ምስንባቱ ኣፍሊጡ


33 ፖለቲካዊ ፓርትታት ኢትዮጵያ ዝሓቖፈ ጥምረት ተቓወምቲ ንሰማያዊ ፓርቲ ካብቲ ምትእኽኻብ ኣሰናቢቱ።ኣቦ መንበር ሰማያዊ ፓርቲ ንኽብርን ኣፍልጦን ኻልኦት ፓርትታ ዝነፍግ ቃለ ምልልስ ብምሃቦም ምዃኑ እቲ ጥምረት ገሊፁ።ኣቦ መንበር ሰማያዊ ፓርቲ ግን ዝሃብኩዎ ሪኢቶ ሓቂ እዩ ኢሎም ኣለው።

ኣቦ መንበር ሰማያዊ ፓርቲ ኣቶ ይልቃል ጌትነት ስነደቅ ንዝተብሃለት ሰሙናዊ ጋዜጣ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘለው ተቓወምቲ ፓርትታት ብዝሃብዎ ሪኢቶ እዩ መንቀሊ እቲ ምስሕሓብ።እቲ ሪኢቶ ንኻልኦት ፓርትታት ኣፍልጦን ክብርን ዝመንጠለ እዩ ይብሉ ኣባላት ጥምረት 33 ፖለቲካዊ ፓርትታት።

በዚ ምኽንያት ሰማያዊ ፓርቲ ካብቲ ምትእኽኻብ ንኽወፅእ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብዝተፀውዐ ህፁፅ ኣኼባ ከምዝተወሰነ ኣባል እቶም ፓርትታት ናይ ዘጣየሽዎ ኮሚቴን ዋና ፀሓፊ መኢኣድን ኣቶ ተስፋየ ታሪኩ ሓቢሮም።

ኣብዛ ሃገር ካሊእ ናይ ፖለቲካ ፓርቲ ከምዘየለ፣ካብኦም ወፃኢ ናይዛ ሃገር ፀገም ክፈትሕ ዝኽእል ከምዘየለ እዮም ብግልፂ ተዛሪቦም ምስ በሉ ኣቶ ተስፋየ ‘’እቲ ገዛኢ ፓርትን ምርጫ ቦርድን ዝሃበና ኣፍልጦ ኣቶ ይልቃል ክሳብ ምምንጣል በፂሖም።እቲ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊ ፓርትታት እምነት ከይህልዎ እውን ዝለዓለ ውዲት ፈፂሞም።’’
ካብ ተግባሮም ንኽእደቡ ዝትወሃቦም ናይ ግዜ ገደብ ኣይተጠቐምሉን ኢሎም ኣቶ ተስፋየ ብምውሳኽ።

ናይዛ ሃገር ሽግር ብሓደን ክልተን ፓርትታት ከምዘይፍታሕ ብምእማን ብሓባር ንምስራሕ ፈሪሙ ንዝተቐበሎ ዝፃረር ንኻልኦት ፖለቲካዊ ፓርትታት ምንእኣስን ከምዘየለው ገይርኻ ነቲ ሕብረተሰብ ምግላፅን ግቡእ ስለዘይኮነ ካብቲ ምትእኽኻብ ክሰናበት ከምዝተገበረ ሓቢሮም።
ኣቦ መንበር ሰማያዊ ፓርቲ ኣቶ ይልቃል ጌትነት ግን ብዛዕባ እቲ ውሳነ ከምዘይፈልጡን እቲ ምትእኽኻብ ዘሰናብተሉ ኣሰራርሓ ድማ ከምዘይብሉን ተዛሪቦም።እቲ ዝሃብዎ ሪኢቶ እውን ናይ ውድቦም እምነት ምዃኑ ሓቢሮም።’’ናይ ዝሓለፈ ሸውዓተ፣ሸሞንተ ዓመታት ከይዲ ምስ ገምገምና ዝበፃሕናሉ ደምዳም ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ብዘሎ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ንናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ቓልሲ ብዝምጥን ናይ ፖለቲካ ሓይልን ኣሰላልፋን ኣይኮኑን ኢልና ኢና ንኣምን።’’

ሰማያዊ ፓርቲ ኣብ ዘራኽቡ ነጥብታት ሓቢርካ ካብ ምስራሕ ወፃኢ ምስ ዘለው ፓርትታ ግንባር፣ውህደትን ጥምረትን ንምፍጣር ፍቓደኛታት ኣይኮናን ክብሉ ንውድቀት ቅንጅት፣ኣብ መንጎ መድረኽን ፓርቲ ሓድነትን ኣሎ ዝበልዎ ምስሕሓብን ኣብ ውሽጢ መኢኣድ ዘሎ ዘይምቅድዳውን ብምጥቃስ ኣብተን ጋዜጣታት ምግላፆም ሓቢሮም።እዚ ድማ ሓቂ እዩ ክብሉ ደጊሞ ተዛሪቦም።
XS
SM
MD
LG