ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝሓለፈ ቀዳም ሰልፊ ከካይዱ ካብ ዝፈተኑ ኣባላት ተቓወምቲ ፓርትታት ልዕሊ 70 ቤት ፍርዲ ምቕራቦ ተፈሊጡ


Addis Ababa - City Council
Addis Ababa - City Council
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:24 0:00


ቅድሚ ትማሊ ቀዳም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ተታሑዙ ዝነበረ ትሽዓተ ፖለቲካዊ ፓርትታት ዘዳለውዎ ኣኼባን ሰልፍን ስዒቡ ኣባልቱ ከምዝተቐጥቀጥዎምን ከምዝኣሰሩዎምን ኣባላት ኣመራርሓ እቲ ፓርቲ ገሊፆም።ዝተኣሰሩ ኣባላት ፓርትን ካልኦትን ትማልን ሎማዕንትን ኣብ ክልተ ኣብያተ ፍርዲ ምቕራቦም ምኽትል ኣቦ መንበር ሰማያዊ ፓርቲ ኣቶ ስለሺ ፈይሳ ገሊፆም።ኢንጂነር ይልቃል ጌትነት ሓዊሱ ናብ 70 ዝኾኑ ኣብ ኣራዳ ቤት ፍርዲ ምቕራቦ ተፈሊጡ’ሎ።27 ዝርከቡዎም ካልኣይ ጉጅለ ኣባላት ተቓወምቲ ድማ ኣብ ካሊእ ቤት ፍርዲ ቐርቢቦም ኣለው።ኣባልት ትሽዓተ ተቓወምቲ ፓርትታት 27 ሰባት ከምዝቐረቡ ተፈሊጡ’ሎ።

ናይ ኣደባባይ ኣኼባን ሰልፍን ካብ ዘዋደዱ ፓርትታት ሓደ ናይ ዝኾነ ናይ ሰማያዊ ፓርቲ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኣቶ ዮናታን ተስፋዬ ዕጡቓት ካብ ሰኒ ጀሚሮም ንቤት ፅሕፈቶም ብምኽባብ ምእታውን ምውፃእን ከምዝኸልከሉዎምን ኣብ ድሮ እቲ ሰልፊ ድማ ዝሓለፈ ዓርቢ ማለት እዩ ንገለ ኣባላት ኣመራርሕ ከምዝተኣሰሩዎም ከምዝኣሰሩዎምን ሓቢሮም።

ብመሰረት ናይ ቀዳም እቲ ትልሚ ብሰለስተ ኣንፈታት ናብ ኣደባባይ መስቀል ንምእታው መደብ ከምዝነበረ ብግላፅ ዝተወሰኑ ሰልፈኛታት ናብ ኣደባባይ መስቀል እትዮም እንተነበሩ እውን ኢሎም ኣቶ ዮናታን ኣስዒቦም ‘’ብሓግዚነት ፖሊስ ፌደራል ብካድሬታትን ኣባላት ፀጥታን እናተለቐሙ ናብ ማእኸል ኤግዝብሽን የግዕዝዎም ነይሮም’’ኢሎም።

ካብቲ ቤት ፅሕፈት ዝተልዓሉ እውን ብዙሕ ከይርሓቑ ፖሊስ ብዘይዝኾነ ይኹን መጠንቀቕታ ብበትሪ ከምዝቐጥቀጥዎም ካብ መንጎ ዝተውቕዑ ማራሕቲ ኢንጅነር ይልቃል ጌትነት ብማህረምቲ ኢዱ ከምዝተጎደአ ሓቢሮም።

ድሕሪኡ ንኹሎም ኣኪቦም ስድስተኛ ናብ ዝተብሃለ ቦታ ከምዝወሰድዎምን ፀኒሖም ድማ ናብ ጨርቆስ ፖፑላረን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ናብዝብሃን ከምዝወሰዱዎም ቀዳም ብኸምዚ ከምዝሓለፈ ዘርዚሮም።

ተቓወምቲ ፓርትታት መድረኽን ፓርቲ ሓደነትን ኣብ ልዕሊ እቶም ተቓወምቲ ተፈፂሙ ንዝበልዎ ኮኒኖምዎ ኣለው።

XS
SM
MD
LG