ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሊቢያ ንዝተፈፀመ ማሕረዲ ስጉምቲ ክወስድ መኢኣድ ፀዊዑ


ISIS/ISLAMIST KILLINGS
ISIS/ISLAMIST KILLINGS

መንግስቲ ኣብ ሊቢያ ንዝተፈፀመ ማሕረዲ ስጉምቲ ክወስድ፣ሕዚ እውን ኣብታ ሃገር ዝነብሩን ብዕጡቓት ይውሰዱ ዘለውን ብናይ ባዕሉ ዓቕሚ ወይ ብሓገዝ ማሕበረሰብ ዓለም ብህፁፅ ክንቀሳቐስ ዋና ፀሓፊ ተቓዋሚ ውድብ ሓድነት መላእ ኢትዮጵያ ኣቶ ካሳሁን ኣበባው ፀዊዖም።

ኣብ ልዕሊ ወገናትና ክሕልፈ ዘይብሉ በደል ተፈፂሙ እዩ ዝበሉ ኣቶ ካሳሁን ንኢትዮጵያዊያን ዘሕዘነ እዩ እውን ኢሎም።’’ኣብ ውሽጥን ወፃእን ንዘለው ኢትዮጵያዊያን ከቢድ ድፍረት ስለዝኾነ ካብ ብሕዚኡ መልእኽቲ ዘመሓላልፍ ስጉምቲ እንተድኣ ዘይተወሲዱ’’ኢሎም ንሶም ብምቕፃል ‘’ኢትዮጵያዊያን ንቕድሚት እውን ክጥቅዑ እዮም።መንግስቲ ናይግድን ሓደ ነገር ክገብር ኣለዎ’’ኢሎም።

ኣብ ልዕሊ መናእሰይ ኣሕዋትናን ደቅናን ዝተፈፀመ ዘይተለምደ ማሕረዲ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዘሕዘነን ዘንብዐን ስለዝኾነ ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ መንግስቲ ሓደ ነገር ትፅቢት ይገርብ እዩ እውን ኢሎም።

መንግስቲ ብዝምችዎ ኣገባብ ስጉምቲ ክወስድ፤ኣብ ሊቢያ ዘሎ ኩነታት ኢትዮጵያዊያን ድቃስ ዝኸልእ ስለዝኾነ ዓቕሚ ዝውሕደና እንተኾይኑ እውን ንሓገዝ ሕቡራት መንግስታት ምሕታት ኣገዳሲ እዩ ኢሎም።

ናይ ዜጋታት ስደተ ጠጠው ንምባል ኣብ ውሽጢ ሃገር ክስርሑ ዘለዎም ስራሕቲ ኣለው፤ኣድልዎ እንተዘይህሊ፣ፍትሒ እንተዝህሊ፣ስደት ክንኪ ይኽእል እዩ ኢሎም ኣቶ ክሳሁን ብምውሳኽ።ካልኦት ተቓወምቲ ፓርትታት እውን ንናይ ISIL ኣረሜናዊ ተግባር ብምኹናን መግለፂታት ኣውፂኦም ኣለው።

ብዝተኣሳሰረ ኣብ ዙርያ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ውግዘት ዳዕሽን ዝኽሪ ግዳያትን ሊብያ ኣብ ዝቐጸለሉ እዋን፡ ኣብ`ዚ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ፊት ንፊት ዋይት ሃውስ ኣብ ዝርከብ ሃገራዊ ሓወልቲ ዝተኣኻኸቡ ብዙሓት ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ትማሊ ሓሙስ፡ ንዝኽሪ`ቶም ኣብ ሊብያ ብግፍዒ ዝተቐትሉ፡ ሽምዓ ናይ ምብራህ ምሸት ኣኽቢሮም ኔሮም።

ከምኡ`ውን ኣብ`ዚ ኸባቢ ዝርከቡ ኣባላት ክልቲኡ ማሕበረ-ሰብ ዝኾኑ ስነ-ጥበባውያን ተመሳሳሊ ዝኽሪ ኣካይዶም ኔሮም-ንዕኡ ዘንጸባርቕ ዜማታት`ውን ኣብ ምስራሕ ይርከቡ።

ብተመሳሳሊ ዜና ኢትዮጵይዊያንን ኤርትራዊያንን ነብርቲ ከባቢ ቴክሳስ ሁስተንን ላስ ቬጋስን እውን ኣብዚ ሰሙን ናይ ሽምዓ ምብራህ ስነስርዓት ብምካይድ ከምዝዘከርዎም ዝበፅሐና ዜና ሓቢሩ።

መራሕቲ ሃይማኖት ክርስትናን ምስልምናን`ውን ብተመሳሳሊ መንገዲ ነቲ ኢሰብኣዊ ቅትለት ንጹሓን ዜጋታት ብምውጋዝ ስነ-ስርዓት ጸሎትን ምህለላን የካይዱ`ለዉ።

XS
SM
MD
LG