ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ 27 ኣባላት ተቓወምቲ ተኣሲሮም


ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ንልምዓት ስለዘተዓናቐፉ ኣሲርናዮም ይብሉ፡ ተቓወምቲ ግን ናይ ውልቀሰባት ሕርሻ ኣይንኹዕትን ስለዝበልና ተኣሲርና ይብሉ

ኣብ ደቡባዊ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ ወረዳ ጥራሕ 27 ኣባላተይ ተኣሲሮምኒ ዝበለ፡ መላእ ኢትዮጵያ ሓድነት ፓርቲ(መኢኣድ)`ዩ። ናብ ፍርዲ ኣይቀረቡ፡ ኣብ ልዕሊኦም ዝመስከረ የለ፡ በቃ ፖሊስ መጺኡ ኣሲርዎም ዝበሉ ፕረሲደንት`ቲ ፓርቲ እንጂነር ሃይሉ ሻውል፡ መጀመርያ ዝነበረ ኽሲ ብዘይ ኣገባብ ተኣኪብኩም ዝብል ከም ዝነበረ ንቪኦኤ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ወረዳ ሓላፊ መንግስቲ፡ ኣብ ልምዓታዊ ስራሕ ኣይንሳተፍን ስለዝበሉ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፖሊስ ከም ዝኣተዉ ይገልጽ። መኢኣድ ግን ኣባላተይ ዝተኣሰሩ፡ ልምዓት ብምትዕንቓፍ ዘይኮነስ፡ናይ ውልቀሰባት ሕርሻ ኣይንኹዕትን ስለዝበሉ`ዩ ይብል።

ምሉእ ጸብጻብ ኣብ ድምጺ`ሎ፡

ኣብዚኣ'ሞ

ዚምባብወ ድሕሪ ሙጋበ ሕጂውን በቲ ገዛኢ ሰልፊ ምሕደርኣ ክቕጽል'ዩ። እዚ ኣብ'ታ ሃገር ዝተራእየ ለውጢ እምበኣር

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG