ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ንኣውፈርቲ ባንኪታት ወጻኢ ሃገር ፍቓድ ስራሕ ከምትህብ ኣፍሊጣ


ፋይል
ፋይል

ኢትዮጵያ ንናይ ወጻኢ ሃገራት ኣውፈርቲ ባንክታት ፍቓድ ስራሕ ንምሃብ ተዳልያ ከምዘላ ዳይሬክተር ምቁጽጻር ፍቓድ ምግላጹ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ። ብመሰረት ሓበሬታ ሮይተርስ እዚ ነቲ እታ ሃገር ኣብዚ ዓመት’ዚ ድሒሩ ክትጅምሮ ናብ ዝተወጠነ ዕዳጋታት ኣክስዮን ዝመርሕ ስጉምቲ ምኳኑ ተሓቢሩ’ሎ።

እዚ ሊበራላዊ ወይ ካብ ምቁጽጻር መንግስቲ ናጻ ዝኾነ ተበግሶ ከም ናይ ኬንያ ሳፋሪኮም ዝበሉ ናይ ወፃኢ ኣውፈርቲ እንተሰሓበ’ኳ ኣብ ቀረባ ዝተረኣየ ዘይተገመተ ምቁጽጻር፡ ስክፍታ ፀጥታን ዘይተረጋግግኣ ቁጠባን ዕንቅፋት ምዃኖም ተንተንቲ ይገልፁ።

ሚኒስትሪ ፍትሒ’ታ ሃገር ንዕዳጋታት ፋይናንስ ኢትዮጵያ ዝከታተል ኣካል ፍቃድ ስራሕ ንኽህብ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ሓላፍነት ከምዝሃቦ ዳይሬክተር ጀነራል’ቲ ትካል ብሩክ ታየ ገሊፆም’ለዉ።

እዚ ስጉምቲ ኣካል’ቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ፈለማ ናብ መዝነት ካብ ዝመጹ ኣትሒዙ ነታ 120 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ዝያዳ ንናይ ውልቂ ኣውፈርቲ ክፉት ምግባር ዝብል ውጥን ምኳኑ ይፍለጥ ።

ቁጠባ ኢትዮጵያ ሓያል መንግስታዊ ቁፅፅር ዘለዎን ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ትሕቲ ምሕደራ መንግስቲ ዝፀንሐን’ዩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብታ ሃገር ኣውፈርቲ ባንክ ከምዘየለዋን ንግዳዊያን ባንክ ድማ ብሰንኪ ዝጸንሐ ክማላእ ዘለዎ ጠለባት ገንዘብ ንኣውፈርቲ ኣብ ምልቓሕ ድሩታት ኮይነን ምጽንሓን ይፍለጥ።

ኣቶ ብሩክ እቲ ተበግሶ ኣብዚ ዓመት ከምዝጅምር’ውን ኣፍሊጡ’ሎ።

ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን ፅንኩር ሕፅረት ሸርፊ ባጤራ ወፃኢን ዝለዓለ ዝቅባበን ትርከብ ዘላ ኮይና ዕዳኣ ምኽፋል ዘይከኣለትን ቀርኒ ኣፍሪቃዊት ሃገር’ያ ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG