ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ግንባር ሓርነት ኦጋዴንን ዝርርብ ይካየድ ኣሎ


ኣብ መንጎ ሰበስልጣን ኢትዮጵያን ደባይ ተዋጋእቲ ግንባር ሓርነት ኦጋዴንን ኣብ ዋና ከተማ ናይሮቢ ኬንያ ናይ ሰለስተ ማዕልታት ልዝብል ትማሊ ሰንበት ከምዝተጀመረ ዝበፅሐና ዜና ሓቢሩ።

ኣብ ሕቡእ ቦታ ዝጀመረ እዚ ዝርርብ የሳልጥዎ ዘለው ሰበስልጣን ኬንያ እዮም።ወሃቢ ቃል ONLF ዓብዱልካዲር ሓሳን ሂርሞጄ እቲ ዜና ንቪኦኤ ክፍሊ ሶማሊኛ ኣረጋጊፆም ኣለው።ክልቲኦም ወገናት ከኪ ኣርባዕተ ኣባላት ከምዝለኣኹ ዝገለፁ እቶም ወሃቢ ቃል ብወገን ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ሓላፊ ጉዳያት ወፃኢ እቲ ውድብ ዓብድራሕማን ማሕዲ ዝመራሕ ክኸውን ከሎ ንናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ መን ከምዝመርሖ ግን ግልፂ ኣይኮነን።

XS
SM
MD
LG