ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብውሑዱ ሓደ ሚእቲ ዜጋታት ቀቲሎም ኢሉ


ONLF-Fighters

ኣብ ኢትዮጵያ ክሊ ኦጋዴን ንናፃነት ዝዋጋእ ጉጅለ ደባይ ተዋጋእቲ ትማሊ ሶኑይ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ወታሃደራት መንግስቲ ንሓደ ሰሙን ኣብ ዝሓዝዎ ወፍሪ መጥቃዕቲ ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ሲቪላት ቀቲሎም ክብል ከሲሱ።

ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምብራቃዊ ክሊ'ታ ሃገር የካይድዎ ዝበሎ ወፍሪ ቅትለት ሕቡራት መንግስታት ንኽምርምሮ ሓቲቱ'ሎ።

እቲ ጉጅለ ደባይ ተዋጋእቲ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ወታሃደራት መንግስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ንሓደ ሰራሕተኛ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ቀቲሎም ን'2 ዝዓፈንዎም እቶም ወታሃደራት ንዘካይድዎ ጅምላዊ ቅትለት ሰላማውያን ሰባት ስለዝረአዩ'ዮም ኢሉ'ሎ።

ናይቲ ግንባር ሓላፊ ጉዳያት ወፃኢ ዓብድራሕማን መሃዲ ን'ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ከምዝበልዎ እቶም ዝተቀትሉ ሰባት ኣብ ገማግም ማይ ዝነብሩ ሓረስቶትን ኣርባሕቲ ኸፍቲን ሰላማውያን ሰባት'ዮም ኢሎም።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ አቶ ሽመልሽ ከማል ነዚ ክሲ መሰረት ኣልቦ ሓሶት'ዩ ኢሎም። አቶ ሽመልሽ ን'ሬድዮ ድምፂ አሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል እቲ ጉጅለ ተስፋ ስለ ዝቆረፀ ዘውርዮ ዘሎ'ዩ ኢሎም።ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ምስቲ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ረድኤት ሕቡራት መንግስታት ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብዝተተሓሓዘ ዝተጠርጠሩ ሰባት ከም ዝተአሰሩ አቶ ሽመልሽ ከማል ምግላፆም ኣብ ትማሊ ሰኑይ ዜናና ከም ዘመሓላለፍናዮ ይዝከር።

ኣብዚኣ'ሞ

ዚምባብወ ድሕሪ ሙጋበ ሕጂውን በቲ ገዛኢ ሰልፊ ምሕደርኣ ክቕጽል'ዩ። እዚ ኣብ'ታ ሃገር ዝተራእየ ለውጢ እምበኣር

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG