ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃገራዊ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ ክሲ ዘይ-ሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ተመስሪትዎ


ክልተ ገዳይም ኦሎምፒካዊያን ኣትሌታትን ሃገራዊ ፈደረሽናትን፡ ሃገራዊ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ ኣብ ምስግጋር ደቂሰባት ኢድ ኔርዎ ክብሉ ክሲ መስሪቶም።

ሃይለ ገብረስላሰን ገዛሀኝ ኣበራን፡ ምስ ፈደረሽናት ጉስጢን ቴንስን ብምዃን ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ሓደ ሲቪላዊ ቤት-ፍርዲ ኣዲስ ኣበባ ክሲታት መስሪቶም ኣለዉ። ጠበቓ ከሰስቲ፡ ጳውሎስ ተሰማ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ቃል ናብ ኦሎምፒክ ፓሪስ ካብ ዝኸዱ ሰባት ገሊኦም ናብ ሃገሮም ከም ዘይተመልሱ ብምሕባር እዚ ድማ ኣብ ኣመራርጻ ኣባላት`ቲ ዝተላእከ ጉጅለ ሕቶ ዘልዕል ምዃኑ ጠቒሱ`ሎ።

ከምኡ`ውን ብኣማኢት ሚልዮናት ዶላር ዝቑጸር ገንዘብ ኦዲት ከምዘይተገብረን ባንኪ ሕሳብ`ቲ ኦሎምፒክ ኮሚተ ድሮ ከም ዝደስከለን እቲ ጥበቓ ይዛረብ። እቶም ከሰስቲ ኣትሌታት ንፕረዚደንት ኦሎምፒክ ኮሚቴ ዶ/ር ኣሸብር ወልደጊዮርጊስ`ውን ብጉድለት ስነ-ምግባር ተከሲሶም ኣለው። ዶ/ር ኣሸብር ብወገኑ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መጠይቕ፡ በቲ ክሲ ከም ዝተገረመ ድሕሪ ምግላጽ ሓሶትን መሰረት ዘይብሉን`ዩ ኢሉ።

ኦሎምፒክ ኮሚቴ ብግልጽነት`ዩ ዝሰርሕ ዘበለ ዶ/ር ኣሸብር፡ ኣንጻር`ቲ ክሲ ነብሱ ከምዝከላኸል ኣፍሊጡ`ሎ። ብዛዕባ`ቲ ኣብ ዘይ-ሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ተሳቲፍኩም ዝብል ክሲ ክምልስ ከሎ ድማ፡ ናብ ኦሎምፒክ ፓሪስ ዝኸዱ ኣትሌታት ብግቡእ ፍቓድ ዝረኸቡ`ዮም ብምባል ዘይሕጋዊ ተግባራት ኣይተፈጸመን ኢሉ።

ኢትዮጵያ ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ ሓንቲ ወርቂ ጥራሕ ብምርካባ፡ ኣፍቀርቲ ስፖርት ቅድሚ ሎሚ ኢትዮጵያ ትረኽቦ ዝነበረት ዓወታት ኣይረኸበትን ዝብል ቅሬታ ከስምዑ ጸኒሖም `ዮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG