ግንባር ሓርነት ኦሮሞ/ኦነግ/ ኣብ ልዕሊ ወታደራት፣ፖሊስን ኣባላት ስልያን መንግስቲ ኢትዮጵያ መጥቓዕቲ ከምዝፈፀመ ኣፍሊጡ።መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እዚ መልሲ ንምሃብ ፍቓደኛ ኣይኮነን።
ግንባር ሓርነት ኦሮሞ/ኦነግ/ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ ኣብ ልዕሊ ወታደራትን ሰበስልጣንን መንግስቲ መጥቓዕቲ ብምፍፃም ጉድኣት ከምዘብፅሐ ወሃቢ ቃል ኦነግ ኣቶ ቦሩ በረቃ ንቪኦኤ ገሊፆም።
ሪሳእ ብዝብል ሽም ዝፍለጥ ፍሉይ ሓይሊ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ወረዳታት ኣንጎሉላን ደራን 5 ታሕሳስ 2012 ኣ/ፈን ምስቲ ዕለት እዚ ኣብ ዝተቐራረቡ ማዕልታትን ኣብ ልዕሊ16 ወታደራን ኣባላት መኮነናት ፖሊስን ናይ ሞትን መቑሰልትን መጥቓዕቲ ምፍፃሞም ኣቶ ቦሩ በራቃ ካብ ኤርትራ ኣብዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ገሊፆም።
በቲ መጥቓዕቲ ዝተቐተሉ’ውን ብሽም ብምዝርዛር ገሊፆም ኣለው። ’’ሰለሞን ኣየለ ዝተብሃለ ሓለቓ ምእቲን ስዩም ሃይለን ዝተብሃለ ሓለቓ ዓሰርተን በቲ ስጉምቲ ካብ መንጎ ዝተቐተሉ መኮነናት ፖሊስ ገሊኦም እዮም።’’
መጥቓዕቲ ካብዝተፈፀሞም 16 ወታደራትን ኣባላት ፖሊስን እቶም ሸሞንተ ተቐቲሎም እቶም ሸሞንተ ድማ ቖሲሎም ኢሎም ኣቶ ቦሩ።
9 ታሕሳስ እውን ኣብ ምብራቕ ወለጋ ሳሲጋ ኣብ ዝተባህለ ወረዳ ጴጥሮስ ነጋ፣ኤሊያስ ተኽላይን በየንን ንዝተብሃሉ ንሰለስተ ኣባላት ሰልያ መነግስቲ ከምዝቐተሉ ሓቢሮም።
ከምኡ’ውን ሓደ ታሕሳስ 2012 ኣ/ፈ ኣብ ምብራቕ ኦሮሚያ ኣብ ከተማ ሃረር ሓሰን ኑሩ ዝተብሃለ ኣዛዚ ፖሊስ ከምዝተቐተለን እቶም መጥቓዕትታት ብድብያ ከምዝተፈፀሙን እቶም ወሃቢ ቃል ሓቢሮም።
ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ገጠርን ከተማን ከባብታት መጥቓዕቲ ይፍፅሙ ከምዘለው ብምግላፅ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ከተማታት ምንቅስቓሶም የስፍሑ ከምዘለው ሓቢሮም እቶም ወሃቢ ቃል ኦነግ።ኣብ ልዕሊ ኣባልት ኦነግ ዝበፅሐ ጉድኣት ዝተሓተ እዩ ኢሎም ንሶም ብምቕፃል።
ናይ ቪኦኤ ፒተር ሃይንላይን ንወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቶ በረኸት ስምኦን ረኺቡ ብዛዕባ ዝተብሃሉ መጥቓዕታትት ሓቲቱዎም መልሲ ንምሃብ ፍቓደኛ ኣይኮንኩን ኢሎም።