ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ንሰራሕተኛ ሕ/መ ዝነበረ ዜጋኣ ብግብረ-ሽበራ ከሲሳ


ምስ ግንባር ናፅነት ኦጋዴን ርክብ ኣለዎ ተባሂሉ'ዩ ተኸሲሱ

ኢትዮዽያ፣ብሕ/መ ኣብ ዘይህዱእ ክልል ኦጋዴን፣ተቆፂሩ ይሰርሕ ንዝነበረ ዜጋኣ፣ምስ ዘይሕጋዊ ደባይ ተዋጋእቲ ርክብ ኣለዎ ኢላ ብሕጊ ፀረ-ግብረ-ሸበራ ከሲሳ።

ኣብ ሓለዋ ፀጥታ ተመዲቡ ይሰርሕ ዝነበረ ዓብዲራሕማን ሸኽ ሓሰን፣ትማሊ ሶኒ ንሓፂር ጊዜ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ነይሩ።ጉዳዩ ንዝመፅእ ወርሒ ተቆፂሩ።

ሓሰን ብመሰረት ሕጊ ፀረ-ግብረ-ሸበራ ኢትዮዽያ‘ዩ ዝሓለፈ ሓምለ ተኣሲሩ።ዝቀረበሉ ክሲ፣መራሒ ናይ‘ቲ ንመንግስቲ ኢትዮዽያ ብጎነፅ ንምዕላው ዝንቀሳቀስ ዘሎ ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ከምዝኾነ ይጠቅስ።

ዓብዱራሕማን ሓሰን ንክእሰር ክልተ ሰሙን ክተርፎ ከሎ፣ንክልተ ዝተጨወዩ ሰራሕተኛታት ፕሮግራም መግቢ ዓለም ክፍትሑ ኣብ ሽምግልና ተሳቲፉ‘ዩ። ኣብ‘ቲ መስርሕ ጨወያ ሓደ ሰራሕተኛ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ተቀቲሉ፣ እቲ ራብዓይ ድማ ብከቢድ ቆሲሉ።

መንግስቲ ኢትዮዽያ እቲ መጥቃዕቲ ኦብነግ‘ዩ ፈፃሚኡ ክብል ከሎ ኦብነግ ግና ነፂግዎ‘ዩ።ናብ ጋዜጠኛታት ዝተላኣከ ኢሜይል፣እቶም ሰራሕተኛታት ረድኤት፣ብሰራዊት መንግስቲ ዝተፈፀመ ሰፊሕ መቅተልቲ ንዝሕብር መርተዖ ስለዝረኸቡ‘ዮ መኪናኦም መጥቃዕቲ ተፈፂሙዋ ይብል።

መንግስታዊ ወሃቢ-ቃል ግና ነቲ መግለፂ ”ዘይስነሞገታዊ” ክብል ይነፅጎ። መንግስቲ ኢትዮዽያ ናብ ውግእ ፀረ ደባይ ተዋጋእቲ ዝካየደሉ ክልል ኦጋዴን ኣቲኻ ንምፅብፃብ ስለዘይፈቅድ እቲ ክስን መልሰ-ክስን ብናፃ ወገን ንምርግጋፅ ኣይካኣልን።

ቅርበት ዘለዎም ምንጭታት ከምዝብልዎ፣ቋንቋ ሶማልኛ ዝዛረብን ሰራሕተኛ ሓለዋ ፀጥታ ዝነበረን ዓብዲራሕማን ሓሰን፣ምስ‘ቶም ንሰራሕተኛታት WFP ዝጨወዩ ኣብ ምርኻብ ወሳኒ ግደ ነይሩዎ ይብሉ።መንግስቲ ብወገኑ ንዘቅረቦ ክሲ ይሕግዘኒ‘ዩ ኢሉ ዝኣመነሉ መርተዖታት ፅሑፍን ናይ ቴሌፎን ድምፅን ኣቅሪቡ‘ሎ።

ኣብ ኢትዮዽያ ወኪል ሕ/መ ዩጂን ኦዉሱ ግና፣ኣብ ሞንጎ ነቶም ተጨውዮም ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ኣብ ምፍታሕን ምእሳር ሓሰንን ሓያል ምትእስሳር ከምዘሎ ገይርካ ንዘይምቅራብ ጥንቃቀ ክግበር ኣለዎ ኢሎም።
ትካላት ሕ/መ ምስ መንግስቲ ኢትዮዽያ ተራኺቦም፣መሰል ዓብዱልራሕማን ሓሰን ንክረጋገፅ ይዘራረቡ ከምዘለው ሓቢሮም።

”ግቡኣትን ሓለዋን ሓሰን ንክረጋገፅ ምስ መንግስቲ ኣፅዒቅና ንዓየሉ ዘለና ጉዳይ‘ዩ።ከምኡውን ኣብ‘ዞም ነጥቢታት ንሕናን መንግስቲን ቅሉዕ ናይ ሓበሬታ ምልውዋጥ ኣለና” ኢሎም።

ዓብዲራሕማን ሓሰን ዝተኣሰረሉ ሕጊ ፀረ-ግብረ ሸበራ ብተሓለቅቲ ሰብኣዊ መሰላትን ጉጅለታት ናፅነት ሚድያን ብብርቱዕ ዝንቀፍ‘ዩ።ከምኣባሃህለኦም፣ እቲ ሕጊ ንፖለቲካዊ ተቃውሞ ንምጭፍላቅ ኣብ ጥቅሚ ክውዕል ይኽእል‘ዩ።መንግስቲ ግና ነዚ ሪኢቶ‘ዚ ይነፅጎ።እቲ ሕጊ ምስ‘ቶም ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝትግበሩ ሕጊታት ዝመሳሰል‘ዩ ይብል።

XS
SM
MD
LG