ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝተአሰሩ መራሕቲ ተቃዋሚ ፓርቲ ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ምስ ዘጋጠመ ዘይምርግጋእ ብዝተሓሓዝ ዝተአሰሩ መራሕቲ ተቃዋሚ ፓርቲ ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ኣቶ በቀለ ገርባ ሎሚ ቤት ፍርዲ ከምዝቀረቡ ተገሊጹ።

ምክትል ኣቦ-መንበር ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ አቶ በቀለ ገርባን ካልኦት 21 ዝኾኑ ሰባት ሎሚ ናብ ቤት ፍርዲ ቀዳማይ መጋባእያ ፈደራል ቤት ፍርዲ ኣራዳ ከምዝቀርቡ ተሰሚዑ ብምንባሩን ናብቲ መጋባእያ ከይኣትው ከምዝተኸልኸሉ ዝገለጸ ሪፖርተር ድምጺ ኣሜሪካ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ ዝቀረቡ ኣቶ በቀለ ገርባ ምክትል ዋና ጸሓፊ'ቲ ፓርቲ ኣቶ ደጀነ ጣፍን ጸሓፊ'ቲ ፓርቲ አቶ አዲሱ ቡላላ ብሓደ ክኣትው ከምዝረኣየ ብተወሳኺ ሓቢሩ'ሎ።

ካብ ርሑቕ ኮይኖም 28 ተወሳኺ ናይ ምርመራ መዓልታት ከምዝተዋህቦም ምሕባሮም'ውን ገሊጹ'ሎ።

XS
SM
MD
LG