ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣለቃሕቲ፡ ገደብ ግዜ ኢትዮጵያን ዓለምለኸ ማዕከን ገንዘብን: ክሳብ ሰነ ኣናዊሖም


ዓለምለኸ ኣለቃሕቲ፡ ኣብ መንጎ ዓለምለኸ ማዕከን ገንዘብ (IMF)ን ኢትዮጵያን ንምትዕርራይ ቅርጺ ቍጠባን ልቓሕን ኣመልኪቱ ዝተኻየደ ዘተ ውጽኢት ስለ ዘይሃበ፡ እቲ ገደብ ግዜ ክናዋሕ ከም ዝወሰኑ ሮይተርስ ሓቢሩ። እቲ ብ”ክለብ ፓሪስ” ዝጽዋዕ ጉጅለ፡ እታ 28.3 ቢልዮን ዶላር ልቓሕ ዘለዋ ኢትዮጵያ ንምኽፋል ዕዳ ኣመልኪታ ምስ ዓለምለኸ ማዕከን ገንዘብ ኣብ ሓደ ስምምዕ ክትበጽሕ ን31 መጋቢት (ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልታት) ገደብ ግዜ ሂቡ ነይሩ። እንተዀነ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዝተባህለቶ እዋን ነቲ ልቓሕ ክትረኽቦ ስለ ዘይከኣለት፡ እቲ ናይ ግዜ ገደብ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ናይዚ ዓመት ከም ዘናውሖ፡ ኣብቲ ጉዳይ ኣፍልጦ ንዘለዎም ወገናት ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

ኣቐድም ኣቢላ፡ ኢትዮጵያ ናይ ሓደ ቢልዮን ዶላር ወለድ ልቓሕ ኣብ እዋኑ ክትከፍል ስለ ዘይከኣለት ነተን ክልተ ሃገራት ኣፍሪቃ ማለት ጋናን ዛምቢያን ምጽንባራ ይዝከር።

ኣባል ክለብ ፓሪስ ዘይኰነትን ዓባይ ኣለቃሒት ኢትዮጵያን ዝዀነት ቻይና ግን ንኢትዮጵያ እፎይታ ዕዳ ምኽፋል ከም ዘገበረትላ ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG