ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ኣብ ኣክሱም ኣብ ውግእ ዝተሳተፉ 93 ሰባት እዮም መይቶም ኢሉ


ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ኣኽሱም 19 ሕዳር 2013 ዓ\ም ኣብዝተኻየደ ውግእ ‘’ኣብቲ ውግእ ዝተሳተፉ 93 ሰባት ናይ ወታደር ክዳን ዘይተኸደኑ ሞይቶም’’ክብል ዓቃቢ ሕጊ ገሊፁ።

‘’ኣብታ ከተማ ብሰራዊት ምክልኻልን ወታደራት ኤርትራን ንፁሃን ተቐቲሎም’’ ተባሂሉ ንዝቐረበ ክሲ ቤት ፅሕፈቶም ንኣስታት ኽልተ ኣዋርሕ ክምርም ከምዝፀንሐ ዝገለፁ ምኽትል ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኣቶ ፈቃዱ ፀጋ ‘'ክሳብ ሕዚ ብዘሎ ዝተፃረየ መረዳእታ ብሓይልታት ምክልኻል ዝተቐተሉ ሽዱሽተ ስቪላት እዮም’’ ኢሎም።

ብኻሊእ ወገን ግን ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ብዝተዋደደ ኩነታት ብኣማእቲ ሰባት ተቐቲሎም ክብሉ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ህይወማን ራይት ስ ዎችን ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ገሊፆም ነይሮም።ናይ ኢትዮጵያ ኮሚሽን ሰብላዊ መሰላት ድማ ልዕሊ ሓደ ምእቲ ስቪላት ብወታደራት ኤርትራ ከምዝተቐትሉ ገሊፁ ነይሩ።

ኣብ ክልል ትግራይ ‘’ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ’’ ብዝብል ኵናት ስዒቡ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ከተማ ኣክሱም ካብ 10 ሕዳር ክሳብ 18 ሕዳር 2013 ዓ\ም ኣብ ዝፀንሐሉ ግዜ ‘’ን40 ሰባት ቀቲሉ’’ ዝብል ክሲ ምቕራቡ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ገሊፁ።

ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራልን ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕግን ንኽልተ ኣዋርሕ ብሓባር ኣብ ዘካየዱዎ ምርመራ ሰራዊት ምክልኻል ንሽዱሽተ ሰባት ከምዝቐተሉ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኣቶ ፈቃዱ ፀጋ ኣብሪሆ::

‘’ብናትና ምርመራ ሰራዊት ምክልኻል ኢፌድሪ 10 ሕዳር2013 ዓ\ም ነታ ከተማ ምስ ተቖፃፀረ ንተወሳኺ ተልእኾ ክሳብ ዝወፀሉ 18 ሕዳር ኣብ ልዕሊ ስቪል ብሰራዊት ምክልኻል ዝወረደ ሞት ሽዱሽተ ምዃኖም ኣረጋጊፅና ኣለና’’ ኢሎም።

ሓሙሽተ ካብዚኦም ብከቢድ ብረት ሓደ ሰብ ድማ ስዓት እቶ እቶ ንምኽባር ዝተቐትለ ስቪል ምዃኑ ኣረጋጊፅና ኢሎም ብምውሳኽ።

ሰራዊት ምክልኻል ንቅድሚት ምዝተንቀሳቐሰ ወታደራት ኤርትራ 18 ሕዳር 2013 ዓ\ም ብኽልተ መካይን ናብ ከተማ ኣክሱም ምእታዎንገሊፆም።ከባቢ ዓዴት ዝነበሩ ናይ ህወሓት ኣባላት ፖሊስ ፍሉይ ሓይሊ ናብ ኣክሱም ምምፆምን ህወሓት 1,500መናእሰይ ኣክሱም ናይ ሓደ ማዕልቲ ናይ ብረት ቶኽሲ ስልጠና ዝሃበ ምዃኑ 19 ሕዳር 2013 ዓ\ም እቶም ስልጠና ወሲዶም ዝነበሩ ማናእሰይ፣ኣባላት ፍሉይ ሓይልን ካብ ዓዴት ዝመፁ ምሊሻን ሓዊሱ ተወዲቦም ኣብ ብርኽ ዝበለ ቦታ ሰፊሩ ንዝነበረ ሰራዊት ኤርትራ መጥቓዕቲ ምኽፋቶም ክሳብ ድሕሪ ስዓት ከቢድ ውግእ ተኻይዱኢሎም።

‘’ኣስታት ሸሞንተ ስዓት ተወሳኺ ሓይሊ ንሰራዊት ኤርትራ በፂሕሉ እዚ ናይ ህወሓት ጉጅለ ናብ ከተማ ምንስሓቡን ኣብዚ ዝተሳተፉ መናእሰይ ህይወቶም ከምዝጠፍአን ዝበዝሕ ኣብቲ ውግእ ዝተሳተፈ እንተኾነ እውን ዩኒፎር ዘይተኸደነ፣ከም ስቪል ይንቀሳቐስ ዝነበረ ምዃኑ፣ክሳብ ሎሚ ንሕና ብዘፃረናዮ 93 ሰባት ኣብቲ ዕለት ምማቶም ብመርትዖ ኣረጋጊፅና ኣለና’’ ኢሎም።

ኣብ ክልል ትግራይ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍር ብዝብል ብሰራዊ ምክልኻል፣ኣባላት ፌደራል ፖሊስን ወታደራት ኤርትራን ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ፆታዊ መጥቓዕቲ ፈፂሞም ንዝተብሃለ ገበን ዝተኻየደ ምርመራ ብዝምልከት ዝተሓተቱ ንሶም እቲ ገበን በቲ ክልል ይምርመር ከምዘሎ ሓቢሮም።ብርክት ዝበሉ ናይ ኣስገዳድ ፆታዊ ዓመፅ ተፈፂሙወን ዝብላ እንተሃለዋ እውን ክሳብ ሕዚ ንፖሊስ ቃለን ዝ ሃባ 16 እየን ኢሎም።ደፊሮም ዝተብሃሉ ሒደት ናይ ፌደራል ፖሊስን ኣባላት ሰራዊትን ተታሒዞም እቶም ፖሊሳት ጉዳዮም ናብ ናይቲ ክልል ቤት ፍርዲ እቲ ወታደር ድማ ናብቲ ሰራዊት ከምዝተልኣኸ ገሊፆም።ህወሓት ልዕሊ ዓሰርተ ሽሕ ዝተፈረዶም እሱራት ናይ ኤርትራ ወታደራት ዩኒፎርምን ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝተዘረፈ ዩኒፎርምን ኸዲኑ ፈቲሑዎም እዩ እውን ኢሎም።

ፌደራል ፖሊስን ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕግን ብሓባር ኣብ ዘካየዱዎ ምርመራ ናይ 95 ሰባት ቃል ምስክርነት ተቐቢሎም ከይዲ ምርመራ ከምዝቐፀለ ኣቶ ፍቃዱ ኣፍሊጦም ኣለው።

ብኻሊእ ወገን ዓለምለኸ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፣ህይወማን ራይት ዎችትን ናይ ኢትዮጵያ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ነበርቲ ከተማ ኣኽሱምን በዝሒ ዝተቐትሉ ብኣማእቲ ምዃኑ ገሊፆም ኣለው።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ቅድም ክብል ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ ወታደራት ኤርትራ 28ን 29ን ሕዳር 2021 ኣ\ፈ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ኣብ ጎደናታት ቶኽሲ ብምኽፋትን ገዛ ንገዛ እናኣተው ምቕታሎም ናይ 240 ግዳያት ካብ መሰኻኽር ከምዝመዝገበ ገሊፁ እዩ።

ህወይማን ራይትስ ዎች 5 መጋቢት 2021 ኣ\ፈ ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ ዕጡቓት ሓይልታት ኤርትራ ክሳብ 13 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑት ሓዊሱ ኣብ ሕዳር ንብዙሓት ስቪላት ከምዝቐተሉ ይገልፅ።ምልሺያታት ትግራይን ነበርቲ ኣክሱምን 28 ሕዳር 2021 ኣ\ፈ ንሓይልታት ኤርትራ ምስ ኣጥቕዑ ወታደራት ኤርትራ ብጃምላ ኣብ ውሽጢ 24 ስዓታት ንብዙሓት ኣማእቲ ነበርትን መብዛሕቲኦ ደቂ ተባዕቲዮን ኣወዳትን ቀቲሎም ይብል።

ናይ ኢትዮጵያ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ብወገኑ ኣብ ዘካየዶ መባእታዊ ምርመራ 18ን 19ን ሕዳር 2013 ዓ\ም ወታደራት ኤርትራ ከቢድ መግሃስታት ሰብዊ መሰላት ምፍፃሞምን ንልዕሊ ሓደ ምእቲ ስቪላት ከምዝቐተሉን ገሊፁ እዩ።

ንኣሶሼትድ ፕረስ ቃሉ ዝሃበ ሓደ ዲያቆን ኣክሱም ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ከባቢ እታ ከተማን ኣስታት 800 ሰባት ተቐቲሎም ኢሉ ከምዝኣምን ገሊፁ ኣሎ።

ቪኦኤ ትግርኛ ዘዘራረቦም ስድራ ግዳያት፣ነበርትን ናይ ዓይኒ ምስክርን ኣብ 19ን 20ን ሕዳር 2013 ዓ\ም ኣብ ከተማ ኣኽሱም ብዙሓት ሰባት ብወታደራት ኤርትራ ከምዝተጨፍጨፉን ሬሳታት ፈቖዶ ጎደናታት ንኽልተ ማዕልታት ተረፍሪፉ ከምዝቐነየን ገሊፆም እዮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ::


XS
SM
MD
LG