ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ናብ ክልል ትግራይ ኣገልግሎት ኢንተርነት ዝምለሰሉ መዓልቲ ኣይተፈልጠን” ሚኒስተር በለጠ ሞላ


ከተማ መቐለ- ፋይል
ከተማ መቐለ- ፋይል

ዓለማለኻዊ ዋዕላ ምሕደራ ኢንተርነት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተረኽበ ሚኒስተር ቴክኖሎጂን ምህዞን በለጠ ሞላ፡ ኣገልግሎት ኢንተርነት ናብ ክልል ትግራይ ዝምለሰሉ እዋን ውሱን ዕለት ከም ዘይተቐመጠ ገሊጹ። እቲ ሚኒስተር ኣብ መግለጺኡ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ መሰረታዊ ኣገልግሎት ናብቲ ክልል ዝመልሰሉ ኣገባባት ኣብ ምስራሕ ከም ዘሎ ኣመልኪቱ። እቲ ንኣገልግሎት ኢንተርነት’ውን ዘጠቓለለ ምዃኑ ዝተገልጸ ምምላስ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት መዓስ ምዃኑ ውዱእ ዕለት ዛጊት ከም ዘይተቐመጠ ድማ እቲ ሚኒስተር ወሲኹ ሓቢሩ ክብል ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ጸብጺቡ'ሎ።

ድሕሪ ስምምዕ ደቡብ-ኣፍሪቃ ዝተፈላለየ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብቲ ክልል ይኣቱ ምህላዉ ይፍለጥ። እንተዀነ ዝሓለፈ ሰሙን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ከም ዝጠቐሶ፡ ናብ ገለ ከባቢታት ትግራይ ንምብጻሕ ዛጊት ኣይከኣለን ዘሎ: ኣገልግሎት መራኸቢታት ድማ ሓደ ካብቲ ብበይኖም ኣካላት ዝጥቀስ ዘሎ ጸገም ምዃኑ’ዩ።

ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ከም ዘስፈሮ፡ ሕቡራት ሃገራት፡ ንዋዕላ ምሕደራ ኢንተርነት ኣብታ ንኣስታት ሓሙሽተ ሚልዮን ካብ ህዝባ ኣገልግሎት ኢንተርነት ከልኪላ ዘላ ሃገር ኢትዮጵያ ክካይዶ ምውሳኑ፡ ብብዙሓት ወገናት ተነቒፉ’ዩ።

ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ካብ ትማሊ ኣትሒዙ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ምሕደራ ኢንተርነት፡ ብተመጣጣኒ ክፍሊት ኣገልግሎት ኢንተርነት ናብ ኵሉ ክባጻሕ ንዝብል መሪሕ ዕላማ ከተግብር ዝፍትን’ዩ። እንተዀነ፡ ከም ጸብጻብ ኣሶሴይትድ ፕረስ፡ 60% ካብቲ 1.3 ቢልዮን ካብ ህዝቢ ኣፍሪቃ ተጠቃሚ ኢንተርነት ኣይኰነን።

XS
SM
MD
LG