ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሳለጠ ዓለምለኸ ጉባኤ ፋይናንስ ንልምዓት ዓብዪ ዝላ ዝተርኣየሉ እዩ ኢሎም ሰበስልጣን መንግስቲ


ዶ/ር ቴድሮስ አድሃኖም - የኢትዮጵያው የውጭ ጉዳይ ሚኒስትር
ዶ/ር ቴድሮስ አድሃኖም - የኢትዮጵያው የውጭ ጉዳይ ሚኒስትር

ትማሊ ኣብዝተዛዘመ ሳልሳይ ዓለምለኸ ኮንፈረንስ ፋይናንስ ንልምዓት ዝፀደቐ ናይ ኣዲስ ኣበባ ናይ ተግባር ኣጀንዳ ሰነድ ብዓይነቱ ዝተፈለየን ዓብዪ ዝላ ዝተርኣየሉን እዩ ክብሉ ክልተ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊፆም።

ምንስቴር ገንዘብን ቁጠባዊ ልምዓትን ኢትዮጵያ ኣቶ ሶፊያን ኣሕመድን ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ሎማዕንቲ ዓርቢ ብሓባር ኣብዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ እዮም ነዚ ዝሓበሩ።

ኣቶ ስፊያን ኣሕመድ ቅድሚ ሎሚ ኣብ 2002 ኣ/ፈ ኣብ ሜክሲኮ ኣብ 2008 ኣ/ፈ ድማ ኣብ ኳታር ዝተኻየዱ ክልተ ጉባኤታት ብምዝኽኻር ውፅኢት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ሳልሳይ ጉባኤ ዝለዓለ እዩ ኢሎም።

ኣቶ ሶፊያን ድኽነት ኣብ ውሽጢ 15 ዓመታት ካብ ዓለም ንምጥፋእ ዝተበፅሐ ስምምዕነት ጥራሕ ከይኮነስ ከመይ ከምዝዕወት ምስ ምንጪ ገንዘብ ተዘርዚሩ’ሎ ኢሎም።

ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዶ/ር ቴድሮስ ብወገኖም ቅድም ክብል ዝተኻየዱ ክልተ ኣኼባታትን ናይ ኣዲስ ኣበባን ብንፅፃር ሎሚ መራሕቲ ዓለም ኣብ ሓዲሽ ፖለቲካዊ ግንዘበ በፂሖም ኣለው ኢሎም።

‘’እቲ መስርሕ ልዝብ ከቢድ ነይሩ’’ዝበሉ ዶ/ር ቴድሮስ ብምስዓብ ‘’ናይ 193 ሃገራት ድልየት ንምጥዕዓም የፀግም’ዃ እንተኾነ ክጠዕዓም ግን ክኢሉ’ሎ።እዚ ዝሕብሮ ዓለም ድኽነትን ድንቁርናን ንምጥፋእን ዘላቒ ልምዓት ንምርግጋፅን እንተወሓደ ሓደ ዓይነት ቋንቋ ምዝራብ ዝጀመረሉን ዓለም ቃል ዝኣተዎ ንቕድሚት ናብ ተግባር ናይ ምእታውን ጉዳይ እዩ’’ኢሎም።

ዶ/ር ቴድሮስ ብምውሳኽ ናይ ኣዲስ ኣበባ ናይ ተግባር ኣጀንዳ ፖለቲካዊ ሰነድ ግብራዊ ክኸውን ከሎ መሰረታዊ ለውጢ ከምፅእ እዩ ኢሎም።ሸቶታት ልምዓት ዝብሃሉ ኩሎም ምስ ኣተገባብርኦም ዝሓቖፈ እዩ እውን ኢሎም።

ኣቶ ሶፊያን ኣሕመድ
ኣቶ ሶፊያን ኣሕመድ

ምንስቴር ገንዘብን ኢኮኖሚያዊ ልምዓትን ኣቶ ሶፊያን ኣሕመድ እቲ ጉባኤ ንኢትዮጵያ ዘለዎ ትርጉም ኣዚዩ ዝለዓለን ኣብ ዓለም ዘለዋ ተሰማዕነት ዝተርኣየሉን እዩ ኢሎም።

‘’ካብ ኣርባዕቲኡ ኩርንዓት ዓለም ዝመፁ መራሕቲ ፖለቲካ፣ናይ ንግዲ ሰባት ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ዘለዋ ተሰማዕነት ማዕረ ክንደይ ምዃኑ ብግልፂ ዝርኣይሉ እዩ’’ዝበሉ ኣቶ ስፊያን ብምስዓብ ‘’ንኢትዮጵያ ዘለዎ ትርጉም ኣዚዩ ዓብዪ እዩ።ቅድሚ ሎሚ ኣኼባታት ኣካይድና ኢና፤ከምዚ ዝበለ ኣኼባ ግን ኢትዮጵያ ኣተኣናጊዳ ኣይትፈልጥን’’ኢሎም።

እዚ ናይ ኣዲስ ኣበባ ናይ ተግባር ኣጀንዳ ኣብ ዝቕፅል መስከረም ኒው ዮርክ ኣብዝካየድ መበል 69 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት መንግስታት መራሕቲ 193 ሃገራት ክፍርምሉ ትፅቢት ይግበረሉ።

XS
SM
MD
LG