ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋሕዚ ካብ ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ ስደተኛታት ምቕጻሉ ኦቻ ሓቢሩ


ካብ ሱዳን፡ መዓልታዊ ካብ 700 ክሳብ ሓደ ሽሕ ዝዀኑ ተመዛበልቲ ብመገዲ መተማ ኣቢሎም ንኢትዮጵያ ይኣትዉ ምህላዎም ቤት ጽሕፈት ኣተሓባሪ ሰብኣዊ ረዲኤት ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ) ጨንፈር ኢትዮጵያ ኣብ ዝዘርግሖ ሰሙናዊ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።

እቲ ቤት ጽሕፈት ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ ሰሙናዊ ገምጋም፡ በቲ መስመር ዛጊት ልዕሊ 41-ሽሕ ተመዛበልቲ ኣትዮም ምህላዎም ኣመልኪቱ ኣሎ። እቲ ቤት ጽሕፈት ወሲኹ፡ ልዕሊ ኣርባዕተ ሽሕ ካብቶም ሓደስቲ መጻእቲ ገና ኣብቲ መቐበሊ መዓስከር መተና ምህላዎ ብምጥቃስ፡ ምስ እናወሰኸ ዝመጽእ ዘሎ ብዝሒ ንሕማማት ካልእ ሳዕቤናትን ከየቃልዕ ስግኣት ከም ዘሎ ጠቒሱ። ዛጊት መሰረታዊ ቀረባት ከም ማይን ሕክምናዊ ቀረባትን ደኣ ይዳለወሎም እምበር፡ እቲ መጠን ሓገዝ ግን ምስቲ ድሌት ከም ዘይቀራረብ ቤት ጽሕፈት ኦቻ ሓቢሩ።

ካብዞም ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ ዝግመቱ ሓደስቲ መጻእቲ እቶም 80 ተመለስቲ ኢትዮጵያውያን ምዃኖም ኦቻ ኣመልኪቱ። በዚ መገዲ ዛጊት 19,500 ኢትዮጵያውያን ካብ ሱዳን ተመሊሶም ምህላዎም ዝጠቐሰ ቤት ጽሕፈት ኦቻ፡ ብምትሕብባር ለገስቲ ወገናትን መንግስቲን ናብ መበቆላዊ ከባቢታቶም ከም ዝተላእኩ ሓቢሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG