ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፓርላማ ኢትዮጵያ ንሚንስትር ዴኤታ ገንዘብን ምትሕብባር ኢኮኖሚን ናይ ዘይምኽሳስ መሰል መንዚዕዎም


ፓርላማ ኢትዮጵያ ንሚንስትር ዴኤታ ገንዘብን ምትሕብባር ኢኮኖሚን አቶ አለማየሁ ጉጂ ናይ ዘይምኽሳስ መሰል መንዚዕዎም።

ንሶም ብትእዛዝ ቤት ፍርዲ ኣብ ትሕቲ ቀይዱ ምእታዎም’ውን ብተወሳኺ ተገሊጹ’ሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ብዝሒ ብተግባር ብልሽውና ተጠርጢሮም ዝተአሰሩ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን ሰብ ሃብትን ወሲኹ 50 ከምዝበጽሐ’ውን ተሓቢሩ’ሎ።’

ሚንስትር ዴኤታ አቶ አለማየሁ ጎጂ ናይ ዘይምክሳስ መሰል ዝተመንዘዓ እቲ ፓርላማ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ አኼባ’ዩ።

ሚንስትር ዴኤታ ገንዘብን ምትሕብባር ኢኮኖሚን አቶ አለማየሁ ጎጆን ብትእዛዝ ቤት ፍርዲ ተአሲሮም አለው። አቶ አለማየሁ ጎጂ ካብ ዝተጠርጠርሉ ጉዳያት ሓደ ንናይ ወጻኢ ኩባንያ ልዕሊ 20 ሚልዮን ዶላር ብዘይ ጨረታ ኮንትራት ተዋሂቡ ንሶም ድማ አብዚ ተረባሒ ኔሮም ዝብል’ዩ። እቲ ስራሕ ከይተዛዘመ’ውን ክፍሊት ተዋሂቡ’ዩ ዝብል ተወሳኺ ክሲ’ውን ተመስሪትዎም አሎ።

ብካልእ ዜና ዳይሬክተር በዓል ስልጣን መንገድታት ኢትዮጵያ ዝነበሩ አቶ ዛይድ ወ/ገብረኤል’ውን ብገበን ብልሽውና ተጠርጢሮም ተአሲሮም አለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG