ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ 10.2 ሚልዮን ሰባት ህፁጽ ረድኤት ዘድልዮም’ዩ ተባሂሉ


ህጹጽ ሓገዝ ዘድልዮም ዞባታት
ህጹጽ ሓገዝ ዘድልዮም ዞባታት

ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተኸሰተ ደርቂ ህፁፅ ረድኤት ዘድልዮም ሰባት ካብ 8.2 ሚልዮን ናብ 10.2 ሚልዮን ክብ ምባሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ አፍሊጡ።


ኣብ አዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደን ንደርቂ ኣብ ዝወህብ ምላሽ ትኹረት ዝገበረን አኼባ ነዚ ሓድሽ ኣሃዝ ዝገለፁ ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፀሓፊ ኮሚቴ ድልውነትን ምክልኻልን ሓደጋ አቶ ምትኩ ካሳ’ዮም።


አቶ ምትኩ ካሳ ብተወሳኺ ዛጊድ ካብ ለገስቲ ዝተረኽበ ሓገዝ ዉሑድ’ዩ ክብሉ’ውን ገሊፆም’ለዉ። ካብቶም 10.1 ሚሊዮን ሰባት እቶም 5.75 ሚሊዮን ህጻናት ምኳኖም መንግስቲ ኢትዮጵያ አብ ዘውጽኦ መግለጺ ምፍላጡ ትካል አድሕን ህፃናት ትማሊ አፍሊጡ’ዩ።


መንግስቲ ኢትዮጵያ በቲ ኩነታት ዝተጠቅዑ ቁጽሪ ግዳያት 8 ሚሊዮን'ዮም ኢሉ ከምዝነበረ ይዝከር።

please wait

No media source currently available

0:00 0:02:28 0:00


XS
SM
MD
LG