ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ኣብ ፈለግ ኣባይ ትሰርሖ ዲጋ፡ ምስ ግብጺ ብሓባር ክንውንኖ ንኽእል ኢና ኢሎም ቀ/ም መለስ


እቲ ዲጋ 5,200 ሜጋዋት ሓይሊ አለክትሪክ ከምንጩ ይኽእል`ዩ ተባሂሉ`ሎ

ኣቶ መለስ ዜናዊ፡ ሽሕ`ኳ ድኻ ኢትዮጵያ ባዕላ ክትከፍሎ ግድን እነተኾነ፡ እቲ ናይ 4.8 ቢልዮን ዶላር ፕሮጀክት ክቕጽል`ዩ ኢሎም።”ፕሮጀክት ማያዊ ሓይሊ፡ ኣብ ሃገርና ድኽነት ንምጥፋእ ዝጻወቶ ተራ ብምግንዛብ፡ ብዘለና ሓይሊን ብዘለና ሳንቲምን ክንጥቀም ኢና”።

“ሓዲሽ ምምሕዳር ግብጺ ፡ እቲ ንሃንጾ ዲጋ ንግብጺ ዝረብሕ`ምበር ኻልእ ከምዘይኮነ ክርድኣልና ተስፋ ንገብር” ዝበሉ ኣቶ መለስ፡ ካብ`ቲ ክግበር ዝኽእል ስምምዕ ሓደ፡ ንግብጺ ኸፊል ዋንነት`ቲ ዲጋ ክህብ ከምዝኽእል ተዛሪቦም። “እቲ ፕሮጀክት ብሓባር ክንውንኖ ንኽእል ኢና”።

ንምሉእ ትሕዝቶ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡

XS
SM
MD
LG