ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ናይ ስራሕ ፍቓዶም ተመንጢሎም


ኣብ ኢትዮጵያ 108 ናይ ውሽጢ ሃገርን 14 ኸኣ ናይ ወጻእን ትካላት ገበርቲ ሰናይ ናይ ስራሕ ፍቓዶም ተመንጢሎም።

ካልኦት 167 ትካላት ከኣ ናይ ጽሑፍ መጠንቀቕታ ከምዝተዋህቦምን ከመሓይሹን ከምዝተነግሮምን ሎሚ ኣብ ዝተጸውዐ ኣኼባ ከምዝተኣዘዙ ተገሊጹ።

መብዛሕትኦም ዝተዓጸው ትካላት በጀት ስኢኖሞዮም ክብሉ ኣካያዲ ስራሕ ኮሚዩኒኬሽንስ ኤጀንሲ ትካላት ገበርቲ ሰናይን ማሕበራትን ኣቶ ኣሰፉ ተስፋዮ ን ድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።

ነቶም ትካላት ገበርቲ ሰናይ ንነዊሕ እዋን ምኽሪ ብምሃብ ዝሰርሑ በዓል ሞያ ሕጊ ኣቶ ደበበ ሃይለገብርኤል ብወገኖም እቶም ትካላት ክዕትሰውን ክዳኸሙን ምኽንያት ዝኾነ እቲ ንትካላት ገበርቲ ሰናይ ዝወጸ ሕግን ነቲ ሕጊ ዘፈጽም ሰራሕተኛታት እቲ ኤጀንሲን እዮም ክብሉ ገሊጾም።

XS
SM
MD
LG