ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፌደሬሽን መጉዓዝያ ኢትዮጵያ ንውሳነ ክልከላ ዘገልገላ መካይን ተቓዊሙ


ፌደሬሽን መጉዓዝያ ኢትዮጵያ ነቲ ልዕሊ 30 ዓመታት ዘገልገላ መኻይን ስግር-ዶብ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ከይህባ ዝእግድ መምርሒ መንግስቲ ከምዝቃወም ኣፍሊጡ።

እቲ ብሚንስትሪ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኢትዮጵያ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝወፀ መምርሒ፣ ልዕሊ 30 ዓመታት ዘገልገላ መካይን፣ ስግር-ዶብ ኣገልግሎት ፅዕነት ከይህባ ዘገድድ ኮይኑ እቲ መምርሒ ካብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ምውዓሉን ዝተፈላለዩ ፀገማት ይፈጥር ምህላውን ፕረዝደንት ፌደሬሽን መጉዓዝያ ኢትዮጵያ ኣቶ ብርሃኔ ዘሩ ንድምፂ ኣመሪካ ሓቢሮም።

ካልኦት ኣባላት ኣመራርሓ እቲ ፌደሬሽን እውን እቲ መምርሒ ካብ ዝትግበር ጀሚሩ ብርክት ዝበላ መካይን ናብ ጅቡቲ ከይደን ኣገልግሎት ፅዕነት ከይህባ ፍቓድ ከምዝተኸልከላ ኣፍሊጦም። እቲ ውሳኔ ኣብ ልዕሊ ወነንቲ መካይንን ኣብ ቁጠባ ሃገርን ከቢድ ሳዕቤን ከምዝህልዎ እውን ኣረዲኦም። እቲ ውሳነ ዳግም ክረአን እቲ መምርሒ እውን ክመሓየሽን ነቲ ሚንስትሪ ብተደጋጋሚ ብደብዳቤ ሓቲትና ኢና ዝበሉ ፕረዝደንት እቲ ፌደሬሽን ኣቶ ብርሃኔ ዘሩ፣ ክሳብ ሕጂ ግን ምሳና ክላዘብ ድሌት የብሉን ኢሎም። ስለዝኾነ ድማ ሕቶኦም ናብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ከምዘቕርቡ ሓቢሮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG