ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓደስቲ መራሕቲ ኢትዮዽያ፣ምዕባለን ዴሞክራሲን ኣጣሚሮም ንከስጉሙ ለበዋ ቀሪቡ


 ኣቦ መንበር ኢህወደግ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ
ኣቦ መንበር ኢህወደግ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ
ኢህወዴግ መሪሕነት ንምምራፅ ዝተኸተሎ ኣገባብ ምስጢራዊ ምስ ምኻኑ መን ኮን ክምረፅ ይኸውን? ዝብል ሕቶ ከምዝፀንሖም ዝገለፁ ዶ/ር ገላዴዎስ፣ምምራፅ ምምራፆምሲ፣ብብቅዓት ክመርሕ ዝኽእል፣ተመክሮን ራኢን ዘለዎ ሰብ እንተቀመጡ ዝሓይሽ‘ዩ ዝብል ገምጋም ነይሩኒ።

ኣብ ታሪኽ ኢትዮዽያ ብተደጋጋሚ ብተጋሩን ኣምሓሩን ትምራሕ ስለዝነበረት፣ሎሚ‘ውን ለውጢ ኣሎ።ኣጋጣሚ ኮይኑ‘ውን እዞም ቀ/ሚ ንክኾኑ ዝተመርፁ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ካብ ብሄር ወላይታ ምስ ምኻኖም ብጣዕሚ ፅቡቅ‘ዩ እየ ዝብል ኣነ ኢሎም።

ዶ/ር ገላዴዎስ ኣተሓሒዞም፣ብሕልፊ ድሕሪ ናይ 2005 ምርጫ ኢህወዴግ ንስርዓት ዴሞክራሲ ገዲፉ፣ምዕባለኣዊ መንግስቲ(Devolopmental State) ኢሉ ኣቀሚጥዎ‘ሎ ይብሉ።እንተኾነ ዴሚክራሲ ናይ ልምዓት ቅድመ-ኩነት ኣይኹን‘ምበር፣ዴሞክራሲ ምስ ናይ ልምዓት መደባት ይጋጮ’ዩ ማለት ኣይኮነን፣ክልቲኡ ብሓባር ክኸይድ ከምዝኽእል ገሊፆም።

እንዲያውም ነቲ መንግስቲ ብጣዕሚ ፅቡቅ‘ዩ፣ዝያዳ ሕጋዊነት ይህልዎ፣ዝያዳ ህዝባዊ ድጋፍ ይረክብ፣ጥቅሚ‘ምበር ጉድኣት የብሉን ኢሎም።

ዶ/ር ገላዴዎስ ኣርኣያ
please wait

No media source currently available

0:00 0:11:23 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG