ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትሽዓተ ፖለቲካዊ ፓርትታት ኢትዮጵያ ጥምረት መስሪቶም


ትሽዓተ ፖለቲካዊ ፓርትታት ኢትዮጵያ ምትሕብባር ንዴሞክራሲያዊት ኢትዮጵያ ዝተብሃለ ሓድሽ ጥምረት መስሪቶም።ምምስራት እቲ ጥምረት ናይ 2007 ዓ/ም ሃገርለኸ ምርጫ ዘማዕደወ ምዃኑ ኣመራርሓ እቲ ፓርቲ ኣፍሊጦም ኣለው።

ሃገራዊ ኮምሽን ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ከባቢያዊ ምርጫ ኣብ ጥቅምቲ 2005 ዓ/ም ኣብ ከተማ ኣዳማ ኣብ ዝፀውዖ ኣኼባ ፖለቲካዊ ፓርትታት ዝተራኸቡ 33 ተቓወምቲ ፓርትታት ምስ ቦርድ ምርጫ ንምዝርራብ ንደሊ ኢና ብዝብል ናይ ሓባር ፊርምኦም ኣምቢሮም።ኣብ ግዚያዊ ኣጄንዳ ዝተራኸቡ እዞም ፓርትታት እዚኦም ቁፅሮም ናብ 24 ዋላ እንተወረደ እውን ኣብ እዋን ምርጫን ድሕሪ ምርጫን ብሓባር ምስርሖም ቀፂሎም።

ካብዞም ፓርትታት እዚኦም እቶም ትሽዓተ እዮም ትማሊ ሰንበት ምትሕብባር ንዴሞክራሲያዊት ኢትዮጵያ ዝተብሃለ ጥምረት ዝመስረቱ።ነቲ ጥምረት ዝመስረቱ ፖለቲካዊ ፓርትታት ናይ ሃዲያ ብሄር ሓድነት ዴሞክራሲያዊ ውድብ፣ውድብ ሓድነት መላእ ኢትዮጵያ፣ውድብ መላእ ኢትዮጵያ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ፣ውድብ መላእ ህዝቢ ኣምሓራ፣ውድብ ዴሞክራሲያዊ ህዝቢ ሰዶ ጎርዶና፣ፓርቲ ሃገራዊ ሓድነት ኢትዮጵያ፣ውድብ ዴሞክራሲያዊ ሕብረት ህዝቢ ኦሞ፣ኮንግረስ ህዝብታት ከንባታ ከምኡ’ውን ውድብ ዴሞክራሲያዊ ህዝቢ ጌዶ ምዃኖም ናይቲ ጥምረት ኣቦ መንበር ኮይኖም ዝተመረፁ ናይ ኦሞ ህዝብታት ዴሞክራሲያዊ ሕብረት መራሒ ዝኾኑ ኣቶ ግርማ በቀለ ዘሪዝሮም።

ካብቶም 24 ፓርትታት እቶም ዝተረፉ መብዛሕቲኦም ኣባል ውድብ መድረኽ ብምዃኖምን መድረኽ ድማ ካሊእ ናይ ፓርትታት ግንባር ስለዝኾነን ኣብ ሓደ ግዜ ናይቲ ግንባርን ናይቲ ሓድሽ ጥምረትን ምዃን ብሕጊ ዘይክኣል ብምዃኑ ኣብቲ ጥምረት ከምዘይኣተው እቶም ኣመራርሓ ሓቢሮም።

ምስረታ እቲ ጥምረት ኣብ መንጎ ተቓወምቲ ዘለው ኣፈላላያት ባህሪያዊ ምዃኖም እዩ ዘርኢ ዝበሉ ኣባል ፈፃሚ ስራሕን ኣቦ መንበር ዴሞክራሲያዊ ውድብ ህዝቢ ጌዶን ኣቶ ኣሌሳ መንገሻ ንተቓወምቲ ዘረዳድኡ ኣብ ሕቶታት ዴሞክራሲ፣ነፃነት፣ፍትሓዊ ምርጫ፣ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት፣ኣብ ሕቶ ልዕልነት ሕግን ዝኣመሰሉን ብዝርክት ዝበሉ ነጥብታት ኣፈላላይ የብልናን ኢሎም።

ምስረታ ሓድሽ ናይ ተቓወምቲ ጥምረት ኣብ ዝመፅእ 2007 ዓ/ም ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ሃገርለኸ ምርጫ ኣብ ግምት ብምእታው እዩ ኢሎም ኣቶ ኣሌሳ መንገሻ።
ምስቶም ፓርትታት ሓቢሮም ይሰርሑ ካብ ዝነበሩ ግን ድማ ብሕጊ ዘይክኣል ብምዃኑ ኣብቲ ጥምረት ካብዘይኣተው ውድባት ሓደ ናይ ዝኾነ ፓርቲ ሓድነት ንዴሞክራስን ፍትሕን ኣቦ መንበር ዶ/ር ነጋሶ ጊዳዳ እቲ ጥምረት ኣብዚ ደረጃ እዚ ክበፅሕ ውፅኢት ፃዕሪ ፓርቶም እውን እዩ ብምባል ፓርቶም ነቲ ጥምረት ዘለዎ ደገፍ ገሊፆም።

ኣቶ ግርማ በቀለ ኣቦ መንበር፣ዶ/ር ይልማ ማሞ ምኽትል ኣቦ መንበር ኣቶ ኑሩ ሙደስር ድማ ፀሓፊ ኮይኖም ተመሪፆም ኣለው።እቶም ፓርትታት ዘፅደቕዎ ሰነድ ናብ ቦርድ ምርጫ ምስተልኣኸ ነቲ ሰነድ ብምምርማር ኣፍልጦ ክህቦ ትፅቢት ይግበር።
XS
SM
MD
LG