ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃገራዊ መልቀቒ ፈተነ ኢትዮጵያ -- 5.4% ተመሃሮ ጥራይ ናብ ዩኒቨርስቲ ሓሊፎም


ሚንስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ዶክተር ብርሃኑ ነጋ - ፋይል
ሚንስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ዶክተር ብርሃኑ ነጋ - ፋይል

ሎሚ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተዋህበ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ 5.4% ተመሃሮ ጥራይ ናብ ዩኒቨርስታት ዘሕልፍ ነጥቢ ምርካቦም ሚኒስተር ትምህርቲ ዶክተር ብርሃኑ ነጋ ኣብቲ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣስታት 675-ሽሕ ተመሃሮ ነቲ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ከም ዝተፈተኑ ዘመልከተ እቲ ሚኒስተር፡ ካብኣቶም ኣስታት 36,400 ጥራይ እቲ ዘድሊ ነጥቢ ምርካቦም ሓቢሩ።

ኣብ 2022 ኢትዮጵያ ኣገባብ መውሃቢ ፈተና ድሕሪ ምልዋጣ እቲ ዝደለ ነጥቢ ዘምዝግቡ ተመሃሮ እናጎደለ ክመጽእ ምጽናሑ ዝፍለጥ’ዩ። ምቅድዳሕ ንምውጋድ ብምባል፡ ተመሃሮ ኣብ ክንዲ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቶምን ምስ ስድራቤቶምን፡ ኣብ መፈተኒ ማእከላት ቀሪቦም ነቲ መርመራ ክወስዱ ዘገድድ’ዩ። ዝሓለፈ ዓመት 3.2% ተፈተንቲ ጥራይ ክሕልፉ እንከለዉ፡ ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ ዓመት ድማ 3.3% ጥራይ’ዮም ናብ ዩኒቨስቲ ዘእቱ ነጥቢ ኣመዝጊቦም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG