ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ብሰንኪ ኲናት ኣብ መርመራ መልቀቒ 2ይ ደረጃ ዘይተኻፈሉ ተማሃሮ ክፍተኑ ይቀራረቡ


ኣብ ክልላት ኣምሓራን ጋምቤላን ብሰንኪ ግጭት ናይ 12 ክፍሊ ሃገራዊ መልቀቒ መርመራ ዘይተኻፈሉ ተማሃሮ ካብ 8-11 መስከረም ናይ 2016 ክፍተኑ ምዃኖም ወሃቢት ቃል ኣገልግሎት ምዘና ትምህርትን ፈተናን ኢትዮጵያ ማንጠግቦሽ ኣዳምጤ ንድምፂ ኣመሪካ ሓቢራ። እቶም ንበይኖም ክፍተኑ ዝዳለዉ ዘለዉ ተማሃሮ ልዕሊ 15፡ሽሕ ምዃኖም ዝሓበራ እተን ወሃቢት ቃል፡ ነቲ ፈተና ንምክያድ ዘድሊ ምቅርራባት ይገብር ከም ዘሎ ኣፍሊጠን።

ኣብ ተመሳሳሊ ምዕባለ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ 2012 ኣብ ክልልትግራይ ናይ 12 ክፍሊ ሃገራዊ ፈተና ተፈተንቲ ዝነበሩ ተመሃሮ እውን ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመ ኲናት ስለ ዘይተፈተኑ ካብ 29 መስከረም ክሳብ 2 ጥቅምቲ ከም ዝፍተኑ ማንጠግቦሽ አዳምጤ ሓቢረን። ብዝሒ ኣብዚ ምድብ ዝፍተኑ ተመሃሮ ግን ዛጊት ኣይተነፀረን።

ኣብ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ንኻልኣይ ጊዜ ኣብ ቀፅሪ ዩኒቨርሲታት ዝተወሃበ ናይ 2015 ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና፡ ልዕሊ 840-ሽሕ ተማሃሮ ከም ዝተፈተኑ ይፍለጥ። ኣብ እዋን እቲ ፈተና ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ሓደ መምህርን ክልተ ኣባላት ፖሊስን ከም ዝተቐተሉ ይፍለጥ፡፡

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG