ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ 14 ሰነ 2013 ዓ\ም ከምዝካየድ ተፈሊጡ


ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ን28 ግንቦት 2013 ዓ\ም ክካየድ ተታሒዙ ዝነበረ ምርጫ 14 ሰነ 2013 ዓ\ም ክካየድ ተወሲኑ ኣሎ።ምርጫ ዝተናውሐሉ ምኽኒያት ኣብ ገለ ከባቢታት ምዝገባ መረፅቲ ኣብቲ ዝተቐመጠሉ እዋን ብዘይምዝዛሙ፣ናይ ኣፍፀምቲ ምርጫ ቁፅፅር ንምውሳኽን ንኣፍፀምቲ መረፃ ንምስልጣንን እዩ ክብል ቦርድ ምርጫ ገሊፁ ኣሎ።

ዳይረክተር ርክብ ህዝቢ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ሶሊያና ሽመልስ ከምዝገለፅኦ ምስ ምዝገባ መረፅቲ ተኣሳሲሩ ጥርዓን ዝቐረቦምን ምዝገባ ድሕሮም ዝጀመሩን ዘይዛዘሙን ናይ ምርጫ ክልላትን ጣቢያታትን ግን እቲ ምርጫ 14 ሰነ ኣይካየድን ኢለን።

‘’ናይ ድምፂ መውሃቢ ዕለት 14 ሰነ ክኸውን ኢልና ኢና ብወገንና ትፅቢት ንገብር’’ ዝበላ ንሰን ከምዚ ክንገብር ከለና ምልኡ ብምሉእ ናይ መረፅቲ ምዝገባ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ፀገም ዝተኻየደሎምን ኣብ ኩሎም ናይ ምርጫ ክልላትን ዝተፈፀመሎም ቦታታት 14 ሰነ ድምፂ ክወሃብ እዩ።እዚ ዘከራኽር ኣይኮነን’’ ኢለን።

ብዙሕ ጥርዓንን ክርክርን ኣብ ዝቐረበሎም ግን ድምፂ ኣይህወሃብን ኢለን።

‘’ከይዲ ምዝገባ መረፅቲ ብዙሕ ጥርዓን ዝቐረቦም ክርክር ዝተልዓለሎም ቦታታት ድምፂ ኣይወሃብን።ምኽኒያቱ ኣብ ምዝገባ መረፅቲ ዘሎ ጥርዓንን ዝተልዓለ ክርክር ክዛዘም ስለዘለዎ እዩ’’ ኢለን።ንኣብነት ኣብ ክልል ሶማሌ ኣብ ሸውዓተ ናይ ምርጫ ክልላት ኣብ ምዝገባ መረፅቲ ጥርዓን ቀሪቡ ብቦርድ ምርጫ ምፅራይ እናተገብረ እዩ እውን ኢለን ብምውሳኽ።

ኣብ ካልኦት ናይ ፀጥታ ፀገማት ዝነበሮምን ዝተፈላለየ ጥርዓናት ዝቐረቦምን ናይ መረፅቲ ምዝገባ ክሳብ ሕዚ ዘይተጀመረሉ ዞባ መተከልን 14 ሰነ ምርጫ ንምኪያድ ኣይክኣልን ኢለን።

ቅድሚ ምስረታ መንግስቲ እቲ መስርሕ ምርጫ ክዛዘም እናሰራሕና ንርከብ ኢለን ዝበላ ወይዘሪት ሶሊያና ቦርድ ምርጫ ኣብ ሓደ ማዕልቲ ምኪያድ ከምዝክኣል ሎጂስቲክስን ናውትን ንምብፃሕ ኣገዳሲን ተወሳኺ ናይ ምርጫ ቁፅፅር ንምውሳኽ ምውሳኑ ኣረዲአን።

XS
SM
MD
LG