ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ኢትዮጵያ ብገበናት ሽብር ዝተኸሰሱ ኣባላት ማሕበረሰብ ሙስሊም ዘቕረብዎ ጥርዓን ብናይታ ሃገር ሕጊ መሰረት ኣይኮነን ኢሉ


ብገበናት ሽብር ዝተኸሰሱ 29 ውልቀ ሰባባትን ክልተ ትካልት ንዘቕረብዎ ናይ ኽሲ ተቓውሞ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ብናይታ ሃገር ሕጊ መሰረት ዝቐረበ ኣይኮነን ክብል ሎማዕንቲ መልሲ ሂቡ።
ንሙስሊም ማሕበረሰብ ብምውካል ንመንግስቲ ጥርዓን ንምቕራብ ብዝብል ናይ ዝተጣየሸ ኣባላት ኮሚቴን ክልተ ትካላትን ሎማዕንቲ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ኣለው።ሕገ መንግስትን ኢትዮጵያ ዝኣተወቶም ዓለምለኸ ውዕላትን ተጣሒሶም ዝብልን ኣዋጅ ፀረ ሽብር ዝምልከትን ብጠበቓታት እቶም ተኸሰስቲ ንዝቐረበ ጥርዓን መልሲ ዝሃበ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ዝቐረቡ ተቓውሞታት ርትዓዊ ኣይኮኑን ክብል መልሲ ሂቡ።
ናይ ተኸሰስቲ ጠበቓታት እቲ ጉዳይ ናይ ሕገ መንግስቲ ብምዃኑ ጉዳያት ሕገ መንግስቲ ናብ ዘፃሪ ጉባኤ ንኽልኣኽ እቶም ተኸሰስቲ ዝሓተትዎ እውን ኣግባብነት የብሉን ክብል ዓቃቢ ሕጊ ተቓዊሙዎ’ሎ።ዝርዝር መከራኸሪ ነጥቢ ኣይቐረበን ብዝምል።
እቲ ሕጊ ፀረ ሽብር ናይ ዜጋታትን ናይ ሰላማዊ ሰባት ደሕንነትን መሰልን ንምሕላው ሕገ መንግስቲ መሰረት ገይሩ ዝወፀ እዩ ኢሉ ዓቃቢ ሕጊ።
ካብቶም ተኸሰስቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ’ውን ብሓይልን ብምፍርራሕን ከይኮነስ ምሉእ ብምሉእ ሕጊ ተኸቲሉ እዩ ኢሉ ዓቃቢ ሕጊ።ኣብ ናይ መንበሪ ገዛውቲ ተኸሰስቲ ዝተፈፀመ ፍተሻ’ውን ከምኡ ሕጊ እታ ሃገር ብዝፈቕዶ መሰረት እዩ ኢሉ’ሎ።
መበል 28 ተኸሳሲት ወ/ሮ ሓቢባ መሓመድ ዝቐረበን ኽሲ ካብ ካልኦት ተፈሊዩ ይርአ ዝብል ተቓውሞን ጥርዓንን እቶም ተኸሰስቲ ዝቐረቡዎም ክስታት ብኣፈፃፅማ ገበን ኣድማ ስለዝኾነ ናይተን ተኸሳስቲ ጉዳይ ካብቶም ኻልኦት ተፈሊዩ ዝርአ ኣይኮነን ክብል ዓቃቢ ሕጊ ተቓዊሙዎ።
እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ኽርክር ምስ ሰምዐ ብይን ንምሃብ ን27 ሕዳር ቆፀሮ ሂቡ’ሎ።
XS
SM
MD
LG