ብኢትዮጵያዊያን ሙስሊማት ዝካየድ ተቓውሞ መራሕቶም ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብዝእሰሩ ንድሓር ከምዝሃድአ ተገሊፁ።መንግስቲ ኣብ ልዕሊ እዞም ተቓወምቲ ዝወስዶ ስጉምቲ ኣብ መንጎ ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣመንቲ ምስልምናን ውጥሪ ከምዝፈጠረ ተፈሊጡ’ሎ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብዝርከቡ ምስጊዳት ብሓደ ንእሽተይ ጉጅለ ዝተዋደደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዝጀመረ ኣብ ፈለማ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ናይ ፈረንጂ ዓመት ነይሩ።መንግስቲ ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ጣልቃ ይኣቲ ኣሎ ብዝብል።
እቲ ወጥሪ ኣብ ጫፍ ዝበፅሐ 13 ሓምለ ኣ/ፈ እቶም መራሕቲ ምስልምና ኣዲስ ኣበባ ኣብዝርከብ ምስጊድ ኣወሊያ ንቐፃሊ ተቓውሞታት ምድላው ይገብሩ ነይሮም ብዝብል መንግስቲ ናብቲ መስጊድ ጥሒሱ ብምእታው እዩ።መንግስቲ ቀንዲ ኣባላት ኣዋደድቲ ሓዊሱ ንልዕሊ 70 ሰባት ከምዝኣሰረ ይገልፅ።
ድሕሪ ሓደ ሰሙን ኣሽሓት ሰዓብቲ ምስልምና ንዝተኻየደ ማእሰርቲ ንምቅዋም ኣብ ኣናውር መስጊድ ተኣኪቦም።ምስ ፖሊስ ብዝተፈጠረ ግጭት ብዙሓት ሰባት ድማ ተኣሲሮም።
ኮሚሽነር ፖሊስ ፌደራል ወርቅነህ ገበዮህ ብቴለኢቪዥን ኢትዮጵያ ኣቢሎም ኣብዝሃብዎ መግለፂ ንቶም ናይቲ መስጊድ ኮሚቴ ዘይምርግጋእ ንምፍጣር ይሰርሑ ነይሮም ክብሉ ኸሲሶምዎም ኣለው።
መንግስቲ ናይ ምእሳር ስጉምቲ ካብዝወስድ ጀሚሩ እቲ ተቓውሞ ምሉእ ብምሉእ ዋላ እንተዘይጠፍአ እውን ኣዐሪዩ ነኪዩ ኣሎ።
ብመዳይ ፖለቲካ ተቓዋሚ ፖለቲካዊ ፓርቲ መላእ ኢትዮጵያ ነቲ ምንቅስቓስ ደጊፉዎ’ሎ።ኣቦ መንበር እቲ ፓርቲ ኢንጅነር ሃይሉ ሻውል ኣብ መንጎ ናይ ሙስሊም ናይ ተቓውሞ ምንቅስቓስን ፓርቶም ኣንፃር ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ዘካይዶ ቓልስን ተመሳሳልነት ኣለዎ ይብሉ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ዝተፈላለዩ እምነታት ንኽህልዩ ብምፍቃዱን ኣብቲ ከባቢ ንዘሎ እስላማኢ ኣኽራርነት ብምውግኡን ካብ ምዕራብ ናእዳ ረኺቡ እዩ።
ስግኣት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሱማሊያ ከምዘሎ ብናይ ደገ ናዕበኛታት ዝድገፍ ምንቅስቓስ ኣል-ሸባብ ኣብ ሃገሩ ከይህሊ እዩ።ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ዩናይትድ ስቴትስ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብዘውፅኦ መግለፂ ነቲ ኩነት ብቐረባ ይከታተሎ ከምዘሎን ኩሎም ወገናት ክሃድኡ፡ሕግን ናይ ሃይማኖት ነፃነትን ንክኽብሩ ፀዊዑ ነይሩ።