ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ሎሚ ዓርቢ ሰልፊ ሙስሊማውያን ኢትዮዽያ ተኾሊፉ


Muslims in Addis Ababa
Muslims in Addis Ababa
ኣብ ትሕቲ ድምፅና ይሰማዕ ዝብል ዝተዳለወ ናይ ተቃውሞ ሰልፊ ሙስሊማውያን ኢትዮዽያ፣በቶም ኣዳለውቲ ተሰሪዙ።

ፈዴራል ፖሊስ ዘውፀኦ መግለፂ ብቴሌቭዥንን ካልኦት መራኸቢ ብዙሃንን ተፈንዩ‘ዩ።እቲ መግለፂ ”ፅንፈኛታት፣ሎሚ ዓርቢ ብጉልባብ ሃይማኖት ኣብ ውሽጢ መሳጊድ ዘካይድዎ ተግባር ጥፍኣት ንምኹላፍ፣ፖሊስ ግቡእ ስጉምቲ ክወስድ‘ዩ ኢሉ” ኣጠንቂቁ‘ዩ።

ኣዳለውቲ‘ቲ ተቃውሞ ብወገኖም፣ኣብ መስጊድን ካብ መስጊድ ወፃኢ ኮይንኩም፣ኣብ ዘዘለኹምዎ፣ናይ ስቅታ ምልክት ብምውሳድ፣ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምንቅስቃስ ኣወጊድና፣ኣብ ዘዘለናዮ ደው ክንብል ይግባእ።ንዝተናኽፉና ዕድል ንዘይምሃብን ተቃውሞና ንምግላፅ ጥንቁቃት ንኹን ይብል።

ብመሰረት ኣዳለውቲ ዘውፅእዎ መግለፂ ንሎሚ ዓርቢ ዝተሓሰበ ሰልፊ ተቋሪፁ‘ሎ፣ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት‘ውን ተኣሲሮምና‘ለው ይብል ሓደ ሪኢቶ ዝሃበ ሰብ።

ሰላማዊ ተቃውሞ ሰልፊ ምክያድ ከምዝካኣል ዝፈቅድ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮዽያ፣እዚ መሰል‘ዚ፣ንድሕነት መንእሰይ፣ክብሪን ፅቡቅ ስም ዜጋታትን ንምዕቃብ፣ምብርባር ኲናትን ክብሪ ሰባት ዝትንክፍን መግለፂታት ኣደባባይ ንምኹላፍ ተባሂሎም ብዝወፁ ሕጊታት ተሓታታይ ካብ ምኳን ኣየድሕንን ከምዝብል ሰለሞን ኣባተ ፀብፂቡ።
XS
SM
MD
LG