ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዞባታት አርሲን ባሌን ዋህዮ አልቃይዳ ተረኺቡ ዝበለ ንስትራቴጂ'ዩ ይብሉ ሓደ መራሒ እስልምና'ቲ ከባቢ


ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር አቶ መለስ ዜናዊ ንፓርላም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ኣብ ከባቢታት ዞባ አርሲን ባሌን ዋህዮ አልቃይዳ ተረኺቡ ክብሉ ምዝራቦም ኣብ ናይ ትማሊ ፈነወ ሓሊፍ ኔሩ።

ካብ ውሽጢ'ተን ዝተጠቀሳ ዞባታት ዝኾኑ ብሰንኺ ዘለዎም ስግአት ስሞም ከይግለፅ ዝሓተቱ ሓደ መራሒ እስልምና "ኣብ ኢትዮጵያ አልቃይዳ ወይ አሸባሪ አትዩ ዘይኾነስ መንግስቲ ብብዝሒ ሙስሊም ኦሮሞ ስለዘለው ንህዝቢ ኦሮሞ ከምዘለዎ በዚ ክጥፍኦ እኽእል'የ ዝበሎ ስትራቴጂ ሒዙ ዝተላዕለ ስለዝኾነ'ዩ" ኢሎም።

ሙሉእ ፀብፃብ ንምስማዕ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ

XS
SM
MD
LG