ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፡ ኢጋድ ኣብ መንጎ ሶማልን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ብዝምልከት ዋዕላ ክጽውዕ ሓቲታ


 ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር መለስ ኣለም
ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር መለስ ኣለም

ኢትዮጵያ፡ በይነ መንግስታት ምብራቕ ኣፍሪቃ(ኢጋድ) ኣብ መንጎ ሶማልን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ብዝምልከት ካልእ ፍሉይ ዋዕላ ክጽውዕ ሓቲታ።

ሎሚ ሓሙስ 1 የካቲት 2024 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃበ ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር መለስ ኣለም፡ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዝነበራ ተደራራቢ ፕሮግራም ኣብቲ ዝሓለፈ 18 ጥሪ 2024 ኣብ ኡጋንዳ ዝተኻየደ ዋዕላ ኢጋድ ክትሳተፍ ኣይከኣለትን ድሕሪ ምባል ካብቲ ፍሉይ ዋዕላ ኢጋድ ዝዓቢ እንታይ ካልእ ፍሉይ መደብ ከም ዝነበረ ግን ኣይሓበረን።

ወሃቢ-ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ጉዳይ ሶማልን ኢትዮጵያን ብሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ዝበሉ ትካላት ክርኣይ ድሕሪ ምባል ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃ ህጹጽ ኣኼባ ክጽውዕ ብሶማል ዝቐረበ ሕቶ ኢትዮጵያ ከም ዝተቓወመቶን እቲ ጉዳይ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተታሕዘ ስለዝኾነ ባይቶ ጸጥታ ክዘራረበሉ ኣይግባእን ዝብል ርእይቶ ከምዘለዋን`ውን ጠቒሱ`ሎ።

ቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ዝሓለፈ 17 ጥሪ 2024 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ግዳማውያን ሓይልታት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ክልተ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ጣልቃ ከይኣትዉን ብመትከላት ኢድ-ዘይኣእታውነት ክምርሑን ጸዊዑ ምንባሩ ይፍለጥ። ኢትዮጵያ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ`ቲ ጉዳይ ኣኼባ ክቕመጥ የብሉን ዝብል ርእይቶ ኣብ ዘስምዓትሉ እዋን፡ ኣብ መንጎ ሶማልን ኢትዮጵያን ልዝብ ዘጀምርን ተኸታታሊ ሪፖርት ዘቕርብን ልኡኽ ክምደብ ሓቲቱ፡ እቲ ሕብረት ንተወካሊ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኾነ ፕረዚደንት ናይጀርያ ዝነበረ ኦሊሴንጎ ኣባሳንጆ ምስያሙን`ውን ተገሊጹ`ሎ።

ኣብ መንጎ ሶማልን ኢትዮጵያን ወጥሪ ክፍጠር ዝኽኣለ፡ ኢትዮጵያ ንኣፍደገ ባሕሪ ዝምልከት ምስታ ናጽነታ ዝኣወጀት ነገር ግን ብኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ከም ኣካል ሶማል ትፍለጥ ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድ መዘክር ስምምዕ ድሕሪ ምፍራማ`ዩ።

መራሕቲ ሃገራት ኢጋድ ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ዝተኣከቡ እዋን፡ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማል ክኽበርን ኣብ መንጎ ሶማልን ኢትዮጵያን ዝተፈጥረ ውጥረት ክሃድእን ምጽውዖም ይፍለጥ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG