ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማል ብሰንኪ ደርቂ ዘጋጠመ ሕማም ውጽኣትን ተምላስን ምጉዳሉ ተሓቢሩ


ፋይል- ኢትዮጵያ ዞባ ሶማል
ፋይል- ኢትዮጵያ ዞባ ሶማል

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማል ድርቂ ስዒቡ ብዘጋጠመ ሕማም ውፅኣትን ተምላስን ብ70 ሚእታዊት ከምዝነከየ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣፍሊጡ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጥዕና ኢትዮጵያ ኣቶ ኣሕመድ ኢማኑ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ኣብቲ ክልል በብመዓልቱ ይምዝገቡ ካብ ዝነበሩ ብዝሒ ሕሙማት ካብ 700 ናብ 222 ከምዝወረደ ገሊፆም።

እቲ ግዜ ዘይህብ ውፅኣትን ተምላስን ኣብቲ ክልል ዝተለዓለ ድርቂ ስዒቡ ምስ ዝተፈጥረ ሕፅረት ማይ ካብ ዝሓለፈ መስከረም ጀሚሩ ምዃኑ እቶም ወሃቢ ቃል ሓቢሮም።11 ዞባታት ኣብ ዝሓቖፈ ክልል ሶማል እቲ ሕማም ኣብ ትሽዓት ዞባታት ኣብ ዝርከቡ ውሱናት ወረዳታት ተላዒሉ ከምዝነበረ ኣቶ ኣሕመድ ኣረዲኦም።

“ኣብቶም ዝተጠቕሱ ዞባታት ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 700 ሰባት ይምዝገቡ ነይሮም።ሰፊሕ ምርብራብ ተኻይዱ ብሓፈሻ ኣብ ዝተወሰኑ ወረዳታት ትሽዓተ ዞባታት ይርአ ዝነበረ ሕዚ ምሉእ ብምሉእ ደው ዝበለሉ ኩነታት እዩ ዘሎ።”

ኣቶ ኣሕመድ ወሲኾም ብዝሒ ተመዝጋቢ ብ70 ሚእታዊት ብምንካዩ ኣብ ሽዱሽተ ዞባታት ዝነበሩ መሐከሚ ማእኸላት ደው ከምዝበሉ እውን ገሊፆም።ካብ ፌደራል ክሳብ ክልል ኮማንድ ፖስት ተጣይሹ ብደረጃ ሃገር ዝለዓለ ምርብራብ ምክያድን ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ካብ ጎረባብቲ ክልላት ብዙሓት ሰብ ሞያ ሕክምና ብምውፋር ሰፊሕ ስራሕ ተሰሪሑ እቲ ዝርግሐ ሕማም ነኪዩ፤ኣብ ቀረባ እዋን ደው ክብል እዩ ዝብል እምነት ኣለና ኢሎም ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማል ዘጋጠመ ሕማም ውጽኣትን ተምላስን ምጉዳሉ ተሓቢሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:50 0:00


XS
SM
MD
LG