ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ 21 ሓደሽቲ ሚንስትራት ተሸይሞም


ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ሃይለማሪያም ደሳለኝ 21 ሓደሽቲ ሚንስትራት ዝሓዘ ለውጢ ኣብ ካቢኔ ሚኒስትራት እታ ሃገር ምኽያዶም እቶም ሓደሽቲ ሚንስትራትናብ ፓርላማ ቐሪቦም እቲ ፓርላማ ብምሉእ ድምፂ ኣፅዲቑዎ’ሎ።

ብመሰረት እዚ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ሚኒስትር ወጻኢ ኾይኖም ተሸይሞ ኣለው።ሚኒስትር ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽንን መንግስቲ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብዶ/ር ነገሪ ሌንጮ ተተኪኦም ኣለው።

30 አባላት ካብ ዘለውዎ ካቢኔ ኢትዮጵያ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትር አቶ ደመቀ መኮንን ሓዊሱ እቶም 9 ኣብ ሓላፍነቶም ከምዝቕጽሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ አፍሊጦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር እቶም ሓደሽቲ ሚኒስትራት ብናይ ፓርቲ ተኣማንነት ዘይኮነስ ብብቕዓቶም ዝተሓረዩ እዮም ኢሎም ኣለው።

ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ዝተሓለነ ምርግጋእ ድሕሪ አዋጅ ህጹጽ እዋን ስለዝተራእየ ገለ ዝተተግበሩ ገደባት ክለዓሉ እዮም ኢሎም ኣለው።

ገለ ተቓወምቲን ርእይቶም ንድምጺ ኣሜሪካ ዝሃቡ ውልቀሰባት ብወገኖም እዚ ለውጢ ናይ ፖሊሲ ለውጢ ኣይኮነን ክብሉ ነቒፎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ኣብ ኢትዮጵያ 21 ሓደሽቲ ሚንስትራት ተሸይሞም
please wait

No media source currently available

0:00 0:10:18 0:00


XS
SM
MD
LG