ዋሽንግተን —
ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብጽሑፍ ኣብ ዝዘርግሖ ሓጺር መግለጺ፡ ኣብ ሚኒስተር ምክልኻልን ሚኒስተር መስኖን ኣከባቢን ለውጢ ከም ዝገበረ ኣፍሊጡ። በቲ ተገይሩ ዘሎ ናይ ሽመት ለውጢ፡ ኢንጂነር ዓይሻ መሓመድ ደጊማ ሚኒስተር ምክልኽል ኰይና ክትሽየም እንከላ፡ ነቲ መዝነት ሒዙ ዝጸንሐ ዶክተር ኣብርሃም በላይ ድማ ብሚኒስትሪ መስኖን ኣከባቢን ክመርሕ ካልእ መዝነት ተዋሂብዎ ሎ።
ኣብቲ ሎሚ ወግዓዊ ዝዀነ ምልውዋጥ ሽመት ዶክተር መሓመድ እድሪስ’ውን ደረጃ ምኽትል ሚኒስተር ሓላፊ ምውህሃድን ህንጸትን ደሞክራሲን ኰይኑ ተሸይሙ ኣሎ።
መግለጺ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ምኽንያት ናይቲ ለውጢ ሽመት ኣይጠቐሰን። ሚኒስተር ምክልኻል ኰይና ዳግም እትሽየም ዘላ ኢንጂነር ዓይሻ መሓመድ ኣቐዲማ ንመዝነት ሚንስትሪ ምክልኻል ሒዛ ድሕሪ ምጽናሕ ብዶክተር ኣብርሃም በላይ ምትክኣ ይዝከር።
ቅጥዒ